ተቐናቐንቲ ሓይልታት ሱዳን፤ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ መጥቃዕቲ ከይወርድ ክከላኸሉ ተሰማሚዖም

Radio Erena: 14 May 2023
ተቐናቐንቲ ሓይልታት ሱዳን፤ ኣብ ልዕሊ ሲቪላውያን ህዝቢ ዝኾነ መጥቃዕቲ ከይወርድ ክከላኸሉ ተሰማሚዖም።
ኣብቲ ብመንጎኝነት ኣመሪካን ስዑዲ ዓረብን ዝካየድ ዘሎ ዝርርብ፤ ህጹጽ ሓገዝ ዘድልዮ ህዝቢ ከተማ ካርቱም ረዲኤት ዝረኽበሉ ባይታ ንምጥጣሕ ናይ 10 መዓልታት ተኹሲ ደው ናይ ምባል ስምምዕ ከምፈረሙ፤ ካብታ ሃገር ዝተፈነወ ዜና ኣመልኪቱ።
ኣውሓስቲ ናይቲ ን10 መዓልታት ዝጸንሕ ተኹሲ ደው ናይ ምባል ስምምዕ፤ ኣመሪካን ስዑዲ ዓረብን ሓላፍነት ክወስዳ፤ ኣብቲ ብሓሙስ ምሸት ዝተበጽሐ ስምምዕ ተጠቒሱ ኣሎ።
ክልቲኦም ወገናት ካብ ሆስፒታላትን ክሊኒካትን ሰራዊቶም ከውጽኡ እውን ኣብ ምርድዳእ በጺሖም ኣለዉ።
ኣብዚ ክልቲኦም ወተሃደራውያን ሓይልታት ዘተ ሰላም ንክጅምሩ ጻዕርታት ዝካየደሉ ዘሎ እዋን፤ ሲቪላውያን ፖለቲካውያን ሓይልታት እውን ክጽምበሩ ጸዊዖም።
ብሕጽረት መሰረታዊ ሃለኽቲ ነገራትን መድሃኒትን ዝሳቐይ ዘሎ ህዝቢ ሱዳን፤ ኩሉ ንጥፈታት’ታ ሃገር ደው ኢሉ ብምህላዉ፤ ብኣማኢት ኣሽሓት ናብ ጎረባብቲ ሃገራት ይዕቆብ ኣሎ።
ግዚያዊ ተኹሲ ደው ናይ ምባል ስምምዕ ሓገዝ ከምዘለዎ ዘየጠራጥር እኳ እንተኾነ፤ መራሕቲ ክልቲኦም ተቐናቐንቲ ሓይልታት ዘርእዩዎ ዘለዉ ተጻብኦ ዘለዓዕል ስጉምታት፤ ነባሪ ሰላም ናይ ምምጻእ ተስፋና ሃሲሱ እዩ ዘሎ ክብሉ ነበርቲ ከተማ ካርቱም ምረቶም ይገልጹ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0