ኮሚሽነር ሕብረት ኤውሮጳ፣ ምስ ሰበ ስልጣን መንግስቲ ኢትዮጵያን ክልል ትግራይን ተመያይጡ

Radio Erena: 21 June 2022

ብኮሚሽን ምሕደራ ቅልውላው፣ ጃነዝ ለናርቺች ዝምራሕ ላዕለዋይ ልኡኽ ሕብረት ኤውሮጳ፣ ካብ 19 ሰነ ኣትሒዙ ኣብ ኢትዮጵያ ምብጻሕ የካይድ ኣሎ።

እቲ ልኡኽ ኣብቲ ናይ ኢትዮጵያ ዑደቱ፣ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ምስ ሰበ ስልጣን መንግስቲ ኣብ መቐለ ድማ ምስ ሰበ ስልጣን ክልል ትግራይ ዘትዩ።

ኣብቲ ምስ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስተርን ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢን፣ ኣቶ ደመቀ መኮነን ዝገበሮ ርክብ፣ ብዛዕባ ተጀሚሩ ዘሎ ምቑራጽ ተጻብኦታት፣ ውሕስነት ዘለዎ ምብጻሕ ሰብኣዊ ረዲኤት ናብ ትግራይን ካልኦት ኣብቲ ከባቢ ዝርከቡ ህዝብታትን ከምኡ ድማ ፖለቲካዊ ዘተን ኣብ ዝብሉ ነጥብታት ከምዝዘተየ ዲፕሎማሰኛታት ናይቲ ሕብረት ኣሚቶም።

እቲ ልኡኽ ብተወሳኺ፣ ኣብ ተመሳሳሊ ዛዕባ ምስ ካልኦት ሰበ ስልጣን መንግስቲ’ውን ከምዝዘተየ ተጠቒሱ።

ኮሚሽነር ለናርቺች፣ ካብ ኣዲስ ኣበባ ተበጊሱ፣ ብ21 ሰነ ኣብ መቐለ ኣብ ዝኣተወሉ፣ ዶ/ር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል ምስ ዝርከቦም ሰበ ስልጣን ናይቲ ክልል ኣብ ተመሳሳሊ ዛዕባ ዘትዩ።

ንሱ፣ ናብቲ ብዋሕዲ መድሃኒታት ናብ ምዕጻው ዝበጽሐ፣ ኣብ ክልል ትግራይ ዝዓበየ መወከሲ ሆስፒታል ዓይደር በጺሑ።

ነቲ ሓበሬታ ብመንገዲ ትዊተር ዝዘርግሐ ኣፈኛ ናይቲ ክልል ኣቶ ጌታቸው ረዳ፣ ዝርዝር ናይቲ ምይይጥ ኣየነጸረን።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ፣ ኣብይ ኣሕመድ ይኹን ፕረዚደንት ክልል ትግራይ ዶ/ር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል፣ ዛጊት ኣብ መንጎኦም ዝተጀመረ ዝርርብ ከምዘየለ እኳ እንተነጸሩ፣ ኣብዚ ቀረባ ርክብ ከምዝህሉ ግና ኣይከሓዱን።

ሓደ ካብ ዓበይቲ መልወቲ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝኾነ ሕብረት ኤውሮጳ፣ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ፣ ብፍላይ ድማ ኣብ ክልል ትግራይ ናብ ዝርከቡ ተጸበይቲ ረዲኤት፣ ህጹጽ ሓገዝ ብዘይዕንቅፋት ክበጽሕ፣ ስምምዕ ምቑራጽ ተጽብኦታት ብወግዒ ክኽተምን ናብ ኵናት ዘምርሐ ጉዳያት ብፖለቲካዊ ዘተ ክፍታሕን ዝብል መርገጺ ሒዙ ይርከብ።

ኣብ ርእሲ’ዚ እቲ ሕብረት፣ ሰራዊት ኤርትራ ካብ ትግራይ ክወጽእ ኣብቲ ዘቐመጦ ነጥብታት ኣነጺሩ ኣሎ።

 

ስእሊ፣- ካብ ኣገልግሎት ዜና ኢትዮጵያን ማህደር ትዊተር ኣፈኛ ትግራይ ኣቶ ጌታቸው ረዳን

=========================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0