ኢትዮጵያ፣ ኣብ ክልል ኣምሓራ፣ ብስም ‘ወፍሪ ሕጊ ምኽባር’ ናይ ዝተኣስሩ ብዝሒ ሰባት ልዕሊ 12 ሽሕ በጺሑ

Radio Erena: 21 June 2022

ኣብ ኢትዮጵያ፣ ክልል ኣምሓራ፣ ካብ ቁጽጽር መንግስቲ ወጻኢ ንዝኸዱ ዕጡቓት ንምህዳንን ኣብ ማሕበራዊ ሜድያታት ጽልኢን ኵናትን ይጽሕትሩ ኣለዉ ንዝተባህሉ ነጠፍቲ ናይ ምእሳርን ስጉምቲ ካብ ዝጅምር ካልኣይ ወርሑ ተቓሪቡ ኣሎ።

መንግስቲ ናይቲ ክልል ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፣ ኣብዚ ወፍሪ’ዚ ናይ ዝተኣስሩ ብዝሒ ሰባት ልዕሊ 12 ሽሕ በጺሑ ምህላዉ ኣፍሊጡ።

ኩሎም እቶም ዝታሕዙ ሰባት፣ ኣብ ዘይሕጋዊ ምንቅስቓስ ብምንጣፎምን ገበን ብምፍጻሞምን ተጠርጢሮም ዝተኣስሩ ምዃኖም እቲ መግለጺ ይጠቕስ።

እቲ መግለጺ ብተወሳኺ፣ ብፍላይ እቶም 3 ሽሕን 700ናይቲ ክልል ፍሉያት ሓይልታት ዝነበሩን ገሊኦም ድማ ካብ ሰራዊት ዝኸድዑን ምዃኖም ኣገንዚቡ።

ልዕሊ 3 ሽሕ ካብቶም በብእዋኑ ዝተኣስሩ ሰባት ብዋሕስ ከምዝተፈትሑ ተመልኪቱ።

ኣብ ኢትዮጵያ፣ ብፍላይ ኣብ ክልላት ኣምሓራ፣ ኦሮሞ፣ ቤኒሻንጉል ጉምዝን ጋምቤላን፣ ዕጡቓት ኣማኢት ሰባት ክርሽኑ፣ ሰባት ብሓዊ ከንድዱን ካልእ ኢ-ሰብኣዊ ተገባራት ክፍጽሙን’ዮም ዝርኣ’ዩ።

መንግስቲ፣ ነቲ በብዕለቱ ኣብ ማሕበራዊ ሜድያታት ዝዝርጋሕ ዘሎ ዘስካሕክሕ ቅትለታት፣ ካብ ቁጽጽሩ ወጻኢ ዝኸዱ ዕጡቓት ይፍጽምዎ ከምዘለዉ ከረድእ ዝፍትን እኳ እንተኾነ፣ ካልኦት ወገናት ድማ ኢድ ሓይልታት ጸጥታ መንግስቲ ከምዘለዎ ይወቕሱ።

ስእሊ፣- ካብ ኣርካይቭስ ኢንተርነት

==================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0