ክፍሊ ስደተኛታት ደንማርክ ኣብ ጉዳይ ኤርትራውያን ሓተቲ ዑቕባ ዝነበሮ ሓሳብ ቀይሩ

ክፍሊ ስደተኛታት ደንማርክ ኣብ ጉዳይ ኤርትራውያን ሓተቲ ዑቕባ ዝነበሮ ሓሳብ ቀይሩ

Radio Erena: 11 December 2015

Imden

ክፍሊ ስደተኛታት ደንማርክ፣ ኣብ ጉዳይ ኤርትራውያን ሓተቲ ዑቕባ ዝነብሮ ሓሳብ ከምዝቐየረ ብሰሉስ 9 ታሕሳስ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ኣፍሊጡ።

እቲ ክፍሊ ነዚ ዘፍልጥ ዘሎ፣ ኣቐዲሙ ብዛዕባ ኤርትራ ዝቐረበ ጸብጻብ ብዝበዝሑ ፖለቲከኛታት፣ ተጠባቕቲ ሰብኣዊ መሰላትን ጋዜጠኛታትን ተሪር ነቐፌታ ስለዝወረዶ’ዩ።

ደንማርክ ድሕሪ’ቲ ጸብጻብ ኣብ ዘውጽኦቶ መግለጺ፣ ኣዝዮም ብዙሓት ኤርትራውያን ፖለቲካዊ ምኽንያት ሃልይዎም ዘይኮነ ብኣሰጋገርቲ ደቂ ሰብን ደላሎን ጥራይ ተደፋፊኦም ይመጹ ምህላዉ ብምጥቃስ፣ ንኤርትራውያን እትህቦም ዝነበረት ፖለቲካዊ ዑቕባ ገደብ ክትገብረሉ ምዃና ኣፍሊጣ ኔራ’ያ።

 

ካብ መንግስቲ ደንማርክ ናብ ኤርትራ ዑደት ዘካየደት ጉጅለ፣ ምስ ሰበ ስልጣን መንግስቲ ኤርትራ ብምዝርራብ ጥራይ፣ ስደተኛታት ናብ ዓዶም እንተተመሊሶም ዝኾነ ጸገም ኣይበጽሖምን’ዩ ክትብል ንዝሃበቶ መግለጺ’ውን ካብ ማዕከናት ዜና ሃገራት ስካንዲኒቭያ ተሪር ተቓውሞ ክገጥሞ ጸኒሑ’ዩ።

ወኪል መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ስካንዲናቭያ ኣቶ ዮናስ ማና ብዛዕባ’ቲ ኣብ ደንማርክ ኣዘራራቢ ኮይኑ ዝርከብ ጉዳይ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣመልኪቱ ምስ ማዕከን ዜና ዘ ሎካል ኣብ ዝገበሮ ቃለ መጠይቕ ግና በንጻሩ፣ እቶም ካብ ሰራዊት ዝሃደሙን ብዘይሕጊ ካብ ኤርትራ ዝወጹን ኤርትራውያን ናብ ኤርትራ እንተተመሊሶም ወትሃደራዊ ወይ ሲቪላዊ መቕጻዕቲ ከምዝጽበዮም ኣይሓብአን።

ክፍሊ ኢምግሬሽን ደንማርክ ብዛዕባ ኤርትራ ኣካይደዮ ዝበለቶ መጽናዕቲ፣ ኣብ ርእሲ’ቲ ንግዳያትን ስደተኛታት ዘማእከል ዘይምንባሩ፣ ካብ ልሳን መንግስቲ ጥራይ ዝተወስደን ብዙሕ ጌጋታት ዝሓቖፈን ብምንባሩ፣ ንኤርትራውያን ሓተቲ ዑቕባ ኣብ ደንማርክ ክጸሉ የብሉን ዝብል ተቓውሞታት እናዓበየ ስለዝመጸ ኸኣ’ዩ እቲ ክፍሊ ሓሳብ ከምዝቐየረ ብወግዒ ዘፍልጥ ዘሎ።

እቲ ብክፍሊ ስደተኛታት ደንማርክ ዝቐረበ ጸብጽጻብ፣ ኣብቲ ጸብጻብ ተጠቒሱ ብዘሎ እንኮ ክኢላ ስደተኛታትን ሕግን ዶክተር ክብርኣብ ጋይምን’ውን ብትሪ ‘ዩ ተነቒፉ።

ዶክተር ጋይም ብዛዕባ’ዚ ኣመልኪቱ ምስ ሬድዮ ኤረና ኣብ ዘካየዶ ቃለ መጠይቕ’ውን ንሱ ዝሃበኦ ሓበሬታን ኣብቲ ጸብጻብ ዝቐረበ ነጥብታትን ነንበይኑ ምዃኑ ብምግንዛብ፣ እቲ ጸብጻብ ጉጉይ ምዃኑ ኣስሚርሉ’ዩ።

ኣብ ኤርትራ ካብ ዘሎ ከቢድ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላትን ናይ ግዜ ገደብ ዘይብሉ ግዱድ ወትሃደራዊ ዕስክርናን ንዝሃደሙ ኤርትራውያን ፖለቲካዊ ዑቕባ ይወሃቦም ንዝብል ውሳኔ መብዛሕተን ሃገራት ኤውሮጳ ብምጥቃስ፣ ኤርትራውያን ሓተቲ ዑቕባ ብእኩብ ናብ ኤርትራ ናይ ምጥራዝ መስርሕ ንምትእትታው ዝሓሰበት ፈላሚት ሃገር ደንማርክ’ያ።
===============================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0