መንግስቲ ጅቡቲ ናብ ኢትዮጵያ ዝቐንዐ ናይ 9.8 ቢልዮን ዶላር ወፍሪ ከካይድ’ዩ

መንግስቲ ጅቡቲ ናብ ኢትዮጵያ ዝቐንዐ ናይ 9.8 ቢልዮን ዶላር ወፍሪ ከካይድ’ዩ

Radio Erena: 11 December 2015

Djipor

መንግስቲ ጅቡቲ ናብ ኢትዮጵያ ዝቐንዐ ናይ 9.8 ቢልዮን ዶላር ወፍሪ ከካይድ ምዃኑ ተገሊጹ።

እቲ መንግስቲ ጅቡቲ ካብ 2015 ጀሚሩ ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ዓመታት ክዛዘም ምዃኑ ወጢንዎ ዘሎ ናብ ኢትዮጵያ ዝቐንዐ ወፍሪ መብዛሕቱ ኣብ ወደብ ኣገልግሎት ዘተኮረ ምዃኑ ጋዜጣ ዘ ሪፖርተር ሓቢራ።

እቲ ገዚፍ ናይ ወፍሪ መደባት ተወጢኑ ምህላዉ፣ ሓላፊ ኣገልግሎታት ወደብን ናጻ ዞባን ኣቡበከር ዑመር ሓዲ ከምዘረጋገጸ ዝሓበረት እታ ጋዜጣ፣ ሓደ ካብቲ ተታሒዙ ዘሎ ፕሮጀክታት ከኣ ኣብ ወደብ ጅቡቲ ተርሚናል ዶራሌ ዝርከብ መዐሸገ ኮንቴይነራት ምስፋሕ’ዩ።

 

ኣብ ተርሚናል ዶራሌ ካብ ዝራገፉ ኮንቴነይራት ዝመልአ ኣቑሑ እቲ 60 ሚእታዊት ናይ ኢትዮጵያ ምዃኑ’ዩ ዝንገረለኡ።

እቲ ተርሚናል ዓመታዊ 1.6 ሚልዮን ኮንቴይነራት ከምዝራገፈሉ ጸብጻባት ወደብ ጅቡቲ ይሕብር።

ክልተ ሲሶ ኣገልግልት ናይቲ ወደብ ብመንግስቲ ጅቡቲ ክውነን እንከሎ፣ እቲ ሓደ ሲሶ ከኣ ኣብ ዱባይ ዝመደበሩ ኩባንያ ኣገልግሎታት ወደብ ዲፒ ዎርልድ’ዩ።

እዚ ናይ ዱባይ ኩባንያ ኣብ ምስፋሕ መራገፊ ኮንቴነራት ጥራይ ዘይኮነ ኣብ ምህናጽ ናይ ነዳዲ ተርሚናል’ውን ዓቢ ኣበርክቶ ክህልዎ’ዩ።

መንግስቲ ጅቡቲ ናብ ኢትዮጵያ ጥራይ ዝቐንዐ ወደብ ታጁራ ኣብ ምህናጽ ምህላዉ’ውን ኣቐዲሙ ምሕባሩ ዝፍለጥ’ዩ።

ልዕሊ ፍርቂ ሓፈሻዊ ዓመታዊ እቶት ጅቡቲ ካብ ኣገልግሎት ወደብ ዝርከብ ኮይኑ፣ ኣብ ምህናጽ መንገዲ ባቡርን ዓበይቲ ዲጋታትን ዝርከቦ ልምዓታዊ መደባት እትርከብ ኢትዮጵያ ካብተን ንወደባት ጅቡቲ ብብዝሒ ዝግልገላሉ ዘለዋ ሃገራት ኣብ ቅድሚት’ያ እትስራዕ።

=========================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0