ክታበት ኣብ ዝተሓሰመት ኤርትራ፣ ብኮቪድ ናይ ዝልከፉን ዝሞቱን ዘለዉ ሰባት ብዝሒ ይውስኽ

Radio Erena: 22 July 2021

ኣብ ኤርትራ፣ መዓልታዊ ብለበዳ ኮርና ቫይረስ ናይ ዝልከፉ ዘለዉ ብዝሒ ሰባት ይውስኽ ከምዘሎ ሚኒስትሪ ጥዕና ሓቢሩ።

ክሳብ 20 ሓምለ ኣብ ዝነበረ ዕለት፣ ብኮረና ቫይረስ ናይ ዝተለኽፉ ሰባት ብዝሒ 6450 ከምዝበጽሐ ዝገለጸ እቲ ሚኒስትሪ፣ ናይ 32 ሰባት ሞት ድማ መዝጊቡ።

ኣብ ኤርትራ፣ መዓልታዊ ብገምጋም 10 ሰባት በቲ ቫይረስ ይልከፉ ከምዘለዉ ድማ እቲ ሓበሬታ ይእምት።

ይኹን’ምበር ኣብ ኤርትራ ምስ ዘሎ ድሩት መርመራ ኮቪድን ኣገልግሎት ሕክምናን፣ በቲ ቫይረስ ናይ ዝልከፉ ዘለዉ ብዝሒ ሰባት ይኹን ሞት ብልክዕ ንምፍላጡ ኣጸጋሚ’ዩ።

መንግስቲ ኤርትራ፣ ብውድብ ጥዕና ዓለም ተማእኪሉ ዝካየድ፣ ክታበት ብናጻ ናይ ምብጻሕ ናይ ‘ኮቫክስ’ መደብ ንምትግባር ዛሕልታት ከምዘርኣየ’ዩ ዝውቐስ።

መደብ ኮቫክስ፣ ብፍላይ ኣብ ሃገራት ኣፍሪቃን ድኻታት ሃገራትን ንዝርከቡ ሰብ ሞያ ሕክምና፣ ሕዱር ሕማማት ዘለዎም ሰባትን ኣረጋውያንን፣ ብቀዳምነት ክታበት ብናጻ ዝረኽብሉ ዕድል ክነሱ፣ መንግስቲ ኤርትራ ዛጊት ክጽንበሮ ዘይደለየሉ ምኽንያት ኣይገለጸን።

ካብ ኣፍሪቃ ኣብዚ መደብ እዚ ዘይተጸንበራ ክልተ ሃገራት፣ ኤርትራን ብሩንዲን ጥራይ’የን።

ብደረጃ ዓለም፣ ፈጺመን ክታበት ዘይጀመራ ሃገራት ድማ ኤርትራ፣ ብሩንዲ፣ ሄቲን ሰሜን ኮርያ’የን።

===================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0