ሱዳን፣ ልዕሊ 4700 ኪ/ሜ ዝዝርጋሕ ሓዲድ ባቡር ዳግም ናብ ኣገልግሎት ንምምላሱ ትሰርሕ

Radio Erena: 23 July 2021

ሱዳን፣ ንዝተፈላለየ ዞባታት እታ ሃገር ዝስንጥቅ፣ ልዕሊ 4700 ኪሎሜተር ዝዝርጋሕ መንገዲ ባቡር፣ ናብ ኣገልግሎት ንምምላሱ ትሰርሕ ከምዘላ ተገሊጹ።

ቁጠባ ሱዳን፣ ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናተዳኸመ ኣብ ዝመጸሉ እዋን፣ ገለ ክፋል እቲ መንገዲ ባቡር ምሉእ ብምሉእ ክዓኑ እንከሎ፣ ገለ ክፋሉ ድማ መጠናዊ ኣገልግሎት ክህብ ዝጸንሐ’ዩ።

ነዚ ንሱዳን ከም ዓይኒ ዓራት ዘራኽባ ዝነበረ መንገዲ ባቡር፣ ንምሕዳሱን ንምጽጋኑን፣ መንግስቲ 640 ሚልዮን ዶላር ካብ መሻርኽቲ ይሓትት ከምዘሎ ማዕከን ዜና ብሉምበርግ ሓቢሩ።

ባንክ ልምዓት ኣፍሪቃ ከም መበገሲ 75 ሚልዮን ዶላር ክምውል እንከሎ፣ 17 ሚልዮን ዶላር ከምዘድልዮ ንዝተገልጸ፣ ኣብ ኣገልግሎት ንዝርከብ መስመራት፣ ኣብ ህጹጽ ጽገናታት ንኽግበረሉ ክውዕል’ዩ።

መንገዲ ባቡር ሱዳን ንምትንሳእ፣ ሃገራት ዓረብን ቻይናን’ውን ብሽርክነት ንምስራሕ ተበግሶታት ወሲደን ከምዘለዋ ይግለጽ።

እቲ መንገዲ ባቡር፣ ንወደብ ፖርት ሱዳን ምስ ኢትዮጵያን ቻድን ንምልጋብ ብዛዕባ ዘሎ ተኽእሎ፣ ካልእ ገጽ ናይቲ ተጸንዑ ዘሎ ፕሮጀክት ምዃኑ ንኣካያዲ ስራሕ ዋሊድ መሓመድ ኣሕመድ ብምጥቃስ ግሎባል ኮንስትራክሽን ዝተባህለ ኣብዚ ዓውዲ ዘተኩር መርበብ ኣፍሊጡ።

እቲ ካብ ፖርት ሱዳን ተበጊሱ፣ ንከተማታት ዞባ ካርቱም፣ መደኒ፣ ኮስቲ፣ ሰናርን ዳርፉርን ዘራኽብ ዝነበረ ታሪኻዊ ሓዲድ ባቡር፣ ብሰሜን ክሳብ ዶብ ግብጺ፣ ብምብራቕ ድማ ክሳብ ዶብ ኤርትራ ዝዝርጋሕ ኮይኑ፣ ናብታ ኣብ 2011 ናጽነታ ዝኣወጀት ደቡብ ሱዳን፣ ዞባ ዋኦ’ውን ዝሰገረ”ዩ ኔሩ።

====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0