‘ክሲ ገበን ወትሃደራዉን ሲቪላውን መራሕቲ ህወሓት ተቛሪጹ።’

Radio Erena: 30 March 2023

ብገበን ናይ ዝተጠርጠሩ ወትሃደራውያን ሲቪላውን መራሕቲ ህወሓት ክሲ ከምዝተቛረጸ ሚኒስትሪ ፍትሒ እታ ሃገር ኣፍሊጡ።

ሚኒስትሪ ፍትሒ ኢትይጵያ፣ ብሓሙስ 30 መጋቢት፡ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፣ ኣብ መንጎ ፈደራል መንግስቲን ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይን ብዝተበጽሐ ስምምዕ መሰረት፣ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ምስ ዝተወልዐ ግጭት ብዝተሓሓዝ፣ ጉዳይ ናይቶም ብገበን ዝሕተቱ ኣካላት፡ ኣህጉራዊ ተሞክሮ ኣብ ግምት ብምእታው፣ ኣብቲ ዝቐውም መሰጋገሪ ፍትሒ ክሕቖፍ ምዃኑ ኣገንዚቡ።

ስለዚ ድማ ናይ ኩሎም’ቶም ብገበት ተጠርጢሮም ዝነበሩ ወትሃደራውያን ይኹኑ ናይ ሲቪል መራሕቲ ህወሓት፣ ክሶም ተቛሪጹ፣ ኣብቲ ናይ መሰጋገሪ ፍትሒ ክርአ ከምዝተወሰነ እቲ መግለጺ ብተወሳኺ ኣስሚርሉ።

ኣብ ሕዳር 2020፣ ኵናት ሰሜን ኢትዮጵያ ኣብ ዝተወልዐሉ፣ መንግስቲ ብክሕደት ሃገር፣ ሽበራን ካልእን ዝኸሰሶም ኣማኢት መራሕቲ ህወሓት ከምዝኣሰረ ኣይርሳዕን።

ነቶም ክሕዞም ዘይክኣለ ድማ ክሲ መስሪትሎም፣ ኣብ ዘይተረኽብሉ ጉዳዮም ብቤት ፍርዲ ክርአ ጸኒሑ።

ስእሊ፦ ሚኒስተር ፍትሒ ኢትዮጵያ፡ ጊዶዎን ጢሜቴዎስ  ( ካብ ኣርካይቭስ ኢንተርነት)

==================

COMMENTS

WORDPRESS: 0