ኤርትራ፣ ብድሮን ቴክኖሎጂ ዝስልጥኑ ኣባላት ሰራዊት ናብ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ልኢኻ

Radio Erena: 31 March 2023

ኤርትራ፣ ብድሮን ቴክኖሎጂ ዝስልጥኑ ኣባላት ሰራዊት ናብ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ከምዝልኣኸት ምንጭታት ኤረና ሓቢሮም።

እቶም ኣብ መፋርቕ ወርሒ ጥሪ 2023፣ ናብ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ዝተላእኩ ሽዱሽተ ኤርትራውያን፣ ኣብ ኮሌጅ ሓይሊ ኣየር ከሊፋ ቢን ዛይድ ክስልጥኑ ምዃኖም’ዩ እቲ ዝበጽሓና ሓበሬታ ጠቒሱ።

እቲ ሓበሬታ ብተወሳኺ፣ ኣቐዲሞም ዝሰልጠኑ ኤርትራውያን ምህላዎም ብምዝኽኻር፣ መብዛሕቶም ኣብ ትሕቲ ቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት ኣብ ዝመሓደር ክፍሊ ካርቶግራፍን መጽናዕትን ከምዝተመደቡ የመልክት።

እዞም ካብ ሰራዊት ተመሪጾም፣ ኣብ ሕቡራት ኢማራት ንኣስታት ሓደ ዓመት ክስልጥኑ ምዃኖም ዝተሓበሩ ኤርትራውያን፣ ትምህርቶም ምስዛዘሙ፣ ገሊኦም ሓድሽ ቆይሙ ናብ ዘሎ ኮሌጅ ኣቭየሽን ኤርትራ ገሊኦም ድማ ናብ ሓይሊ ኣየር ክምደቡ ከምዝኽእሉ፣ ነዚ ሓበሬታ ዝልኣኹ ወገናት ኣሚቶም።

ድሮን፣ ሰብ ኣልቦ በራሪት ኮይና፣ ደረቕን ተንቀሳቓስን ኣሳእል ብምትሕልላፍ፣ ኣብ ውትህድርና፣ ምህንድስና፣ መጽናዕቲ መሬትን ኣከባቢን፣ ዳህሳስ ማይን ማዕድንን፣ ሓለዋ ገማግም ባሕሪን ዶባትን፣ ሕዛእቲ እንስሳ ዘገዳምን ካልእ ብቐሊሉ ክብጻሕን ክትቖጻጸሮን ዘጸግም ከባቢታትን፣ ከትዋፈር እትኽእል ዘመናዊት ናይ ኣቭየሽን ቴክኖሎጂ’ያ።

=======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0