ክልተ ኤርትራውያን ደቂንስትዮ ካብ ዳዒሽ ኣምሊጠን

ክልተ ኤርትራውያን ደቂንስትዮ ካብ ዳዒሽ ኣምሊጠን

Radio Erena: 18 February 2016

ISIS

ኣረሜናዊ ጉጅለ ዳዒሽ ኣብ ሊብያ ሒዙወን ዝጸንሐ ክልተ ኤርትራውያን ደቂንስትዮ ኣምሊጠን።

ሓንቲ ካብተን ኣብዚ ዝሓለፈ ሰሙን ካብ ዳዒሽ ዘምለጣ ክልተ ኤርትራዉያን ደቂንስትዮ፣ ምስ ሬድዮ ኤረና ኣብ ዘካየደቶ ቃለ መጠይቅ፣ እቲ ኣረሜናዊ ጉጅለ ሃይማኖተን ክቕይራ ኣብ ርእሲ ምግዳድ ብዙሕ ግፍዕታት ከምዘውረደለን ብዝርዝር ገሊጻ።

እቲ ኣረሜናዊ ጉጅለ ዳዒሽ፣ ሰለስተ ቆልዑ ዝርከብዎም 69 ኤርትራውያን ኣብ ወርሒ ሸሞንተ ከምዝሓዞም ዝሓበረት እታ መንእሰይ፣ ነተን ደቂንስትዮ ሃይማኖተን ብምቕያር ናብ ኣብ ትሕቲ ሓለፍቲ ናይቲ ጉጅለ ክኽድማ ከምዝመደበ እቶም ደቂ ተባዕትዮ ግና ናብ ዘይተፈልተ ቦታ ከምዝወሰድዎምን ኣረጋጊጻ።

 

ሰለስተ ካብተን ኣብቲ እዋን’ቲ ዝተታሕዛ ደቂንስትዮ ኣቐዲመ ድሕሪ ምህዳመን ምስ ሬድዮ ኤረና ቃለ መጠይቕ ምክያደን ኣይርሳዕን።

እዘን ኣብዚ ሰሙን’ዚ ክሃድማ ዝኸኣላ ክልተ ደቂንስትዮ ከኣ፣ ካብ ሱዳን ዝብገሱ ኤርትራውያን ስደተኛታት፣ ናብ ሊብያ ቅድሚ ምብጋሶም ደጊሞም ክሓስቡን ጥንቃቐታት ክገብሩ ለበዋ ኣሕሊፈን።

ክቡራት ተኸታተልቲ፣ እዘን ንሽዱሽተ ኣዋርሕ ብዳዒሽ ተታሒዘን ዝጸንሓ ክልተ ኤርትራውያን ምስ ሬድዮ ኤረና ዘካየድኦ ሰፊሕ ቃለ መጠይቕ ኣብ ናይ ሎሚ ደሃይ ስደተኛታት ቀሪቡ ኣሎ።

=============================

COMMENTS

WORDPRESS: 0