ክልተ ኣሃዱታት ሰራዊት ኤርትራ ንሓድሕደን ተጋጭየን

ኣብ ከባቢ ሞልቂ ዝነበራ ክልተ ኣሃዱታት ሰራዊት ኤርትራ ብዓርቢ 16 ለካቲታ ከባቢ ሰዓት ኣርባዕተ ናይ ምሸት ንሓድሕደን ከምእተጋጨዋ ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ሓቢሮም።

    እቲ ንኣስታት ፍርቂ ሰዓት ዝጸንሐ ግጭት ጠንቑ ብልክዕ እኳ እንተዘይተነጸረ፣ ኣብ መንጎ ሒደት ኣባላት እተን ኣህዱታት ብዝተላዕለ ውልቃዊ ባእሲ  ክኸውን ከምዝኽእል እቲ ዝበጽሓና ዜና የመልክት።

    እቲ ሓበሬታ ብተወሳኺ፣ በቲ ግጭት፣ ክልተ ኣባላት ሃገራት ኣገልግሎት ክሞቱ እንከለው፣ ሰለስተ ድማ ብፈኵስ ከምዝቖሰሉ ኣፍሊጡ።።
    ዝበዝሑ ኣባላት እተን ኣህዱታት ነቲ ግጭት ንምህዳእ ጠያይቲ ንላዕሊ ይትኩሱ ብምንባሮም፣ ካልኦት ኣብቲ ከባቢ ዝነበራ ኣሃዱታት ሓድሕድ ምትዅኻስ ስለዝመሰለን፣ ንብምሉኦም ኣባላት ናይተን ኣብ ግጭት ዝኣተዋ ክልተ ኣሃዱታት ብምኽባብ ዕጥቖም ከምዘውርዱ ከምዝገበርዎም’ውን ክረጋገጽ ክኢሉ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0