ክልተ ሰበ ስልጣን ክልል ደቡብ ናይ ኢትዮጵያ ካብ መዝነቶም ተኣልዮም

ክልተ ሰበ ስልጣን ክልል ደቡብ ናይ ኢትዮጵያ ካብ መዝነቶም ተኣልዮም

Radio Erena: 29 June 2018

Ethio

ክልተ ላዕለዎት ሰበ ስልጣን መንግስትን ኢህወደግን ዝነበሩ ኣባላት መሪሕነት ክልል ደቡብ፣ ሲራጅ ፈጌሳን ሽፈራው ሽጉጤን ካብ ዝነበሮም መዝነታት ተኣልዮም።

እቶም ሰበ ስልጣን ብወለንትኦም ስልጣኖም ከምዝሓደጉ ይገልጹ እኳ እንተለዉ፣ ኣብቲ ክልል ኣንጻሮም ብዝተላዕለ ተቓውሞታት ከምዝተኣልዩ’ዩ ዝንገር።

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፣ ኢትዮጵያ፣ ናብ ናይ ሰላምን ዕርቅን ጎደና ኣብ እትምርሸሉ ዘላ እዋን፣ ኣብ ክልል ኣምሓራ ንተወላዶ ትግራይ ዒላማ ዝገበረ መጥቃዕታት ይካየድ ከምዘሎ ዝተፈላለዩ ምንጭታት ዜና ካብታ ሃገር ይሕብሩ።

በቲ ኣብ ባቲ፣ ከሚሴን፣ ሮቢትን ካልኦት ንኣሽቱ ከተማታት ክልል ኣምሓራን ኣብ ልዕሊ ተወላዶ ትግራይ ዝበጽሕ ዘሎ መጥቃዕታት፣ ሓያሎ ስድራቤታት ኣብ ስግኣት ከምዘለዋ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።

 

ብኻልእ ወገን ኣብ ክልል ቤንሻንጉል፣ ከተማ ኣሶሳ’ውን ብዝተጎሃሃረ ናይ ዓሌት ግጭት ብውሕዱ 2 ሰባት ከምዝተቐትሉ ናይ ዓይኒ መሰኻክር ካብቲ ቦታ ንማዕከናት ዜና ኣብ ዝህብዎ ዘለዉ ሓበሬታ ይጠቕሱ።
=========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0