መቐናቕንቲ ወገናት ደቡብ ሱዳን ነባሪ ስምምዕ ምቁራጽ ቶዅሲ  ከቲሞም

መቐናቕንቲ ወገናት ደቡብ ሱዳን ነባሪ ስምምዕ ምቁራጽ ቶዅሲ ከቲሞም

Radio Erena: 29 June 2018

miyardit and kiir

ኣብ ካርቱም፣ ዘተ ሰላም ከካይዱ ዝጸንሑ ፕረዚደንት ደቡብ ሱዳን ሳልቫኪር ሚያርዲትን ተቓዋሚኡ ሬክ ማቻርን፣ ነባሪ ስምምዕ ምቁራጽ ቶዅሲ ከምዝኸተሙ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሱዳን ኣል ዲርዲሪ መሓመድ ኣሕመድ ገሊጹ።

ንሱ ብ27 ሰነ ንማዕከናት ዜና ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ፣ እቲ ብመንጎኝነት ፕረዚደንት ሱዳን ዑመር ሓሰን ኣልበሽር ተኸቲሙ ዘሎ ስምምዕ ምቁራጽ ቶኽሲ ኣብ ውሽጢ 72 ሰዓታት ኣብ ግብሪ ከምዝውዕል ኣረጋጊጹ።

ክልቲኦም ወገናት ደቡብ ሱዳን ኣብ 2015’ውን ተመሳሳሊ ስምምዕ ብምኽታም ናይ ልፍንቲ መንግስቲ ከቑሙ መደብ እኳ እንተነበረ፣ ኣብ ግብሪ ከምዘይውዓለ ይዝከር።

ድሕሪ’ዚ እዋን’ዚ ንፈለማ እዋኖም ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝርርብ ዘካየዱ እዞም ክልተ ወገናት፣ ኣብ ምርድዳእ ክበጽሑ እኳ እንተዘይክኣሉ፣ ፕረዚደንት በሽር ብዝወሰዶ ተበግሶ ኣብዚ ሰሙን’ዚ ንኻልኣይ እዋኖም ክራኸቡ ክኢሎም ኣለዉ።

ስምምዕ ምቁራጽ ቶኽሲ ኣብዘን ሒደት ሰዓታት ብወግዒ ደው ድሕሪ ምባሉ፣ ብዛዕባ ሓፈሻዊ ስምምዕ ሰላምን ምቛም ናይ ልፍንቲ መንግስትን ኣብ ዝብል በዳህቲ ነጥብታት ክዛተዩ ትጽቢት ይግበር።

=====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0