ክልተ ሰራሕተኛታት ሚ.ጉዳያት ወጻኢ ሱዳን ብስለያ ተኸሲሶም

ክልተ ሰራሕተኛታት ሚ.ጉዳያት ወጻኢ ሱዳን ብስለያ ተኸሲሶም

Radio Erena: 19 May 2015

sudbi

ክልተ ሰራሕተኛታት ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ሱዳን፣ ንኣባል ስለያ ኣመሪካ ተኣፋፊ ሓበሬታ ክህቡ ብምጽንሖም ኣብ ቀይዲ ከምዝኣዉ ማዕከናት ዜና እታ ሃገር ሓቢረን።

እቶም ክልተ ሱዳናውያን፣ ኣብ ዱባይ ንዝመደበሩ ወናኒ ናይ ማልቲ ሜድያን ማእከል ዳታ ቤዝን ዝኾነ ኣመሪካዊ፣ ቅርጽን ኣቃውማን ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ሱዳን፣ ጸብጻብ ዝምድናታት ምስ ሱዳን ምስ ቐጠር፣ ሊብያ፣ ግብጽን ብሪጣንያን ካልእ ኣገዳሲ ሓበሬታን ክሰጋግርሉ ከምዝጸንሑ’ዩ ተጠቒሱ።

እንተኾነ እቲ ኣብ ዱባይ ብስም ወናኒ ትካል ዝተመዝገበ ኣመሪካዊ፣ ኣባል ስለያ ኣመሪካ ምዃኑ’ዩ መንግስቲ ሱዳን ዝገልጽ።

 

እዞም ሓበሬታ ክሰጋግርሉ ዝጸንሑ ክልተ ሱዳናውያን ሰራሕተኛታት ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ድማ ብክሲ ስለያን ክድዓት ሃገርን ተኸሲሶም ኣብ ፍርዲ ክቐርቡ ምዃኖም ዝተፈላለያ ማዕከናት ዜና ሱዳን ይሕብራ።

ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ሱዳን ዘንበረቶ እገዳ ድማ ንኽልዓለ፣ ሱዳን ዲፕሎማስዊ ጻዕርታት ኣብ ምክያድ እኳ እንተላ፣ ኣመሪካ ግና ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኣልበሽር ብዝተፈላለዩ ጉዳያት እምነት ከተሕድር ከምዘይክኣለት ተንተንቲ የረድኡ።

ኣብ ካልእ ወገን፣ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ደቡብ ሱዳን በርናባ ማሪኣል በንጃሚን ኣብ ጁባ ንዝርከብ ኣምባሳደር ኣመሪካ ሚካኤል ማካርቲ ኣብ ቤት ጽሕፈቱ ጸዊዑ ከምዘዘራረበ ተገሊጹ።

እቲ ሚኒስተር ንኣምባሳደር ኣመሪካ ኣብ ቤት ጽሕፈቱ ብምጽዋዕ ዘዘራረበሉ ምኽንያት፣ ብጉዳይ እቲ ዝሓለፈ ሰሙን ዝተጣሕሰ ስምምዕ ምቁራጽ ቆዅሲ ኣብ መንጎ መንግስትን ተቓወምትን’ዩ።

እቲ ኣምባሳደር፣ ብዛዕባ’ቲ ዝተጣሕሰ ስምምዕ ምቁራጽ ቶዅሲ ኣመልኪቲ ንሬድዮ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ ቁሸታት ከምዝዓነዋ፣ ኣሽሓት ህዝቢ ካብ መነባብሩ ከምዝተመዛበለን ብምጥቃስ፣ ተወሳኪ ምጽራይ ከምዘድሊ ሓቢሩ።

ጉዳይ ደቡብ ሱዳን ብወትሃደራዊ ሓይሊ ጥራይ ከምዘይፍታሕ’ውን እናተፈልተ እንከሎ፣ ስለምንታይ ግጭት ይቕጽሉ ኣለዉ ክብል’ውን ንኽልቲኦም ወገን ነቒፉ።

ድሕሪ’ዚ መግለጺ’ዚ ድማ’ዩ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ደቡብ ሱዳን ዘለዎ ተቓውሞኡ ንምግላጽን ተወሳኺ መብርሂ ንምስማዕን ንኣምባሳደር ኣመሪካ ናብ ቤት ጽሕፈቱ ከምዝጸወዖ ዝንገር።

====================================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0