ሽወደናዊ-ኤርትራዊ ሽርክነት ንደሞክራስን ሰብኣዊ መሰላትን ዝተባህለ ማሕበር፣ ብዛዕባ ህሉው ኩነታት ኤርትራ ኣመልኪቱ ናብ መንግስቲ ሽወደን ጻውዒት ኣቕሪቡ

ሽወደናዊ-ኤርትራዊ ሽርክነት ንደሞክራስን ሰብኣዊ መሰላትን ዝተባህለ ማሕበር፣ ብዛዕባ ህሉው ኩነታት ኤርትራ ኣመልኪቱ ናብ መንግስቲ ሽወደን ጻውዒት ኣቕሪቡ

Radio Erena: 18 May 2015

sweEr

ሽወደናዊ-ኤርትራዊ ሽወደንን ኤርትራን ንደሞክራስን ሰብኣዊ መሰላትን ዝተባህለ ሲቪካዊ ማሕበር፣ ብዛዕባ ህሉው ኩነታት ኤርትራ ኣመልኪቱ ናብ መንግስቲ ሽወደን ናይ ጻውዒት ደብዳቤ ልኢኹ።

እቲ ማሕበር ናብ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ማርጎት ዋልስትሮም ኣብ ዝልኣኾ ናይ ጻውዒት ደብዳቤ፣ ህሉው ኩነታት ኤርትራ ካብ ዝኸፍኣ ናብ ዝበኣሰ ይሰጋገር ከምዘሎ ዝርዝራዊ ነጥብታት እናቕረበ ብምትሕስሳብ፣ እቲ ኣውራ ጠንቒ ድማ ብፕረዚደንት ኢሳይያስ ዝምራሕ ምልካዊ ስርዓት ምዃኑ ኣዘኻኺሩ።

 

ኣብ መወዳእታ ድማ እቲ ማሕበርኣብ ጻውዒቱ፣ ሽወደን ንኤርትራውያን ሓቲቲ ዑቕባ ኣፍደጌታታ ከተርሑን ነቶም ኣብ ሊብያ፣ እስራኤልን ካልኦት ሃገራትን ኣብ ሕማቕ ኩምነታት ዝርከቡ ኤርትራውያን ድማ ቆላሕታ ክትገብርን፣ ሕብረት ኤውሮጳ ምስ መንግስቲ ኤርትራ ዝገብሮ ዘሎ ምድግጋፍ ደው ከብል ሽወደን ክትቃወም ከምኡ ድማ ባይቶ ጸጥታ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኤርትራ ዘንበሮ እገዳ ሽወደን ብዝግባእ ከተኽብርን ከተተግብርን ዝብሉ ነጥብታት ኣስሚርሉ።

ቅዳሓት ናይቲ ናብ ሚኒስትር ጉዳያት ወጻኢ ሽወደን ዝልኣኾ ደብዳቤ ድማ ናብ ኮሚተታት ሚኒስተሪ ጉዳያት ወጻኢ ሽወደን፣ ናብ ፓርላማ ሽወደንን ኣህጉራውያን ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ሁማን ርይስት ዎጽን ኣምነት ኢንተርናሽናል ከምዝልኣኸ’ውን ካብቲ ናብ ሬድዮ ኤረና ዝበጽሐ ቅድሕ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።

=======================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0