ኬንያ ካብ ስዑዲ ዓረብ ነዳዲ ንምሽማት ትዝቲ

Radio Erena: 16 April 2017

kenya Saudi

ኬንያ፣ ዘይተጻረየ ነዳዲ ብዝሓሰረ ዋጋ ካብ ስዑዲ ዓረብ ንምሽማት ትዝቲ ከምዘላ ጋዜጣ ካፒታል ኤፍኤም ካብ ናይሮቢ ሓቢራ።

እዚ ዝተሓበረ፣ ፕረዚደንት ኬንያ ኡሁሩ ኬንያታ፣ ናብ ሃገር ዑደት ምስ ዘካይድ ዘሎ ልኡኽ ንግስነት ስዒዲ ዓረብ ኣብ ቤት ጽሕፈቱ ተቐቢሉ ኣብ ዘዘራረበሉ እዋን’ዩ።

ኣብቲ ርክብ፣ ኬንያ ዘይተጻረየ ነዳዲ ካብ ስዑዲ ዓረብ ንምሽማት ብዛዕባ ዝህልዋ ተክእሎ ድሕሪ ምዝታይ፣ ስዑዲ ዓረብ ከኣ ‘ውን ናይ ስጋ ከብትን ኣባጊዕን ካብ ኬንያ ንኽትሽመት ዕዳጋ ተኸፊቱላ ከምዘሎ ተሓቢሩ።

ኬንያ ብዘይካ’ዚ ከም ቆጽሊ ሻሂን ቡንን ዝኣመሰለ ፍርያታ ብብዝሒ ናብ ስዑዲ ንምልኣኽ መደብ ከምዘለዋ ኣብቲ ኣጋጣሚ ተሓቢሩ።

ብሚኒስተር ንግድን ወፍርን ማጂድ ቢን ዓብዱላህ ኣልቓሳቢ ዝተመርሐ ኣስታት 30 ኣውፈርቲ ዝሓቖፈ ልኡኽ ንግስነት ስዑዲ ዓረብ፣ ኣብ ኬንያ ናይ ስራሕ ምብጻሕ ንምፍጻም’ዩ ብሮቡዕ 12 ሚያዝያ ናብ ከተማ ናይሮቢ ኣትዩ።

ኣቀዲሙ’ውን ኣሚር ቀጠር ሸኽ ታሚም ቢን ሓማድ ኣልታኒ ድሕሪ’ቲ ናይ ኢትዮጵያ ዑደቱ ብዛዕባ ተመሳሳሊ ጉዳያት ንግዲን ወፍርን ንምዝታይ ኣብ ኬንያ ናይ ሓደ መዓልቲ ዑደት ኣካይዱ’ዩ።

==============================

COMMENTS

WORDPRESS: 0