ኬንያ ምስ ሶማልን ታንዛንያን ዘራኽባ ዶባት ከምዝዓጸወት ኣፍሊጣ

Radio Erena: 17 May 2020

ኬንያ ምስ ሶማልን ታንዛንያን ዘራኽባ ዶባት ከምዝዓጸወት ኣፍሊጣ።

ፕረዚደንት’ታ ሃገር ኡሁሩ ኬንያታ ንማዕከናት ዜና ሃገሩ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ ኣብዚ ዝሓለፈ ሰሙን፣ ካብ ሶማልን ታንዛንያን ዝኣተዉ ብብዝሒ ብኮሮና ቫይረስ ዝተለኽፉ ሰባት ስለዝተረኽቡ፣ ዶባት ክዕጾ ከምዝወሰነ ኣፍሊጡ።

እቲ ፕረዚደንት ኣብ መግለጺኡ፣ ብፍላይ መራሕቲ ዓበይቲ መካይን ዶብ ኣብ ዝሰግሩሉ እዋን፣ ጽዑቕ መርመራ ክግበረሎም ትእዛዝ ኣመሓላሊፉ። ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ጥራይ 43 መራሕቲ ዓበይቲ መካይን ብኮሮና ቫይረስ ዝተለኽፉ ኣብ ኬንያ ተረኺቦም። ካልኦት 78 መራሕቲ መካይን ከኣ ብዶባት ሶማልን ታንዛንያን ክኣትዉ እንከለዉ ብዝተገብረሎም መርመራ፣ ተሰከምቲ’ቲ ቫይረስ ኮይኖም ብምጽንሖም፣ ናብታ ሃገር ካብ ምእታው ከምዝተኸልከሉ ይግለጽ።

ብሰንኪ ለበዳ ኮሮና ቫይረስ ቁጠበአን ብከቢድ ካብ ዝተሃሰያ ሃገራት ኣፍሪቃ ዝኾነት ኬንያ፣ ኣብ ቁጠባዊ ቅልውላው ከይትሽመም ከቢድ ስግኣት ብምህላዉ፣ ካብ ኣህጉራዊ ማሕበረሰብ ፋይናንስያዊ ሓገዝ እትረኽበሉ መጽናዕቲ ኣብ ምክያድ ትርከብ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0