ግብጺ ንጉዳይ ዲጋ ተሓድሶ ብዝምልክት ናብ ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ክሲ ክትምስርት’ያ

Radio Erena: 17 May 2020

ግብጺ ንጉዳይ ዲጋ ተሓድሶ ብዝምልክት ኢትዮጵያ ዝወሰደቶ በይናዊ ስጉምቲ ብምቅዋም ናብ ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ክሲ ክትምስርት ምዃና ካብታ ሃገር ዝተፈነወ ዜና ኣመልኪቱ።

ኢትዮጵያ ብ14 ግንቦት ናብ ባይቶ ጸጥታ ኣብ ዝለኣኸቶ ምላሽ፣ ንታሪኽን ኣመዓባብላን’ቲ ዲጋ ዝገልጽ ዝርዝር ጽሑፍ ደኣምበር፣ ቀጥታዊ ምላሽ ኣይኮነን ክብሉ ሰበስልጣን ግብጺ ክስታቶም የቕርቡ።

እቲ 22 ገጻት ዝሓዘ ኢትዮጵያ ዝለኣኸቶ ምላሽ፣ ዲጋ ተሓድሶ ማይ ንኽትመልእ ፍቓድ ግብጺ ክትረክብ ዝቕስብ ሕጋዊ ግዴታ ከምዘይብላ ዝገልጽ ኣብ ርእሲ ምዃኑ፣ ኣብ ክልተ እብረ ዝመልእ ናይ 18.4 ቢልዮን ኩቢክ ሜተር ማይ ምዕቋር፣ ኣብ ልዕሊ ግብጺ ይኹን ሱዳን ጉድኣት ከምዘየውርድ ዝሕብር እዩ።

እንተኾነ ሰበስልጣን ግብጺ፣ ኣቓልቦ ማሕበረሰብ ዓለም ብምስሓብ፣ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ጸቕጢ ክግበር ኣብ ጽዑቕ ፖለቲካዊን ዲፕሎማስያዊን ጎስጓስ ተጸሚዶም ይርከቡ።

ኢትዮጵያ ብወገና፣ ግብጺ ኣብቲ ንሱዳን’ውን ዝሓቖፈ፣ ፈለማ ዝተበጽሐ ኣፈናዊ ስምምዕ ምዕቋር ማይ ዲጋ ተሓድሶ ክትምለስ፣ ኣህጉራዊ ማሕበረሰብ ዓለም ከታባብዓ ጻውዒት ኣቕሪባ።

ናብ ግብጺ ካብ ዝፈስስ፣ 85 ሚእታዊት ሃብቲ ማይ ፈለግ ናይል፣ ካብ ከበሳታት ኢትዮጵያ እዩ ዝምንጩው።

COMMENTS

WORDPRESS: 0