ኬንያ፣ ዘይሕጋዊ ንግዲ ንምቁጽጻር፣ ምስ ኢትዮጵያ ዘራኽባ መስመራት ዓጽያ

Radio Erena: 17 September 2019

መንግስቲ ኬንያ፣ ዘይሕጋዊ ንግዲ ንምቁጽጻር፣ ምስ ኢትዮጵያ ዘራኽባ ክልተ መስመራት ከምዝዓጸወ ማዕከን ዜና ስታንዳርድ ሓቢሩ።

እቲ ኣብ ከባቢ ሞያለ ተዓጽዩ ዘሎ ጽርግያታት፣ ካብ ክልትኢ ወገናት ዝንቀሳቐሱ ነጋዶ፣ ግብሪ ከይከፈሉ ይሓልፉ ምህላዎም፣ በዓል መዚ ኣታዊታት እታ ሃገር ድሕሪ ዘቕረቦ ጥርዓን’ዩ።

መዓልታዊ ካብ 30 ክሳብ 50 ናይ ጽዕነት መካይን በቲ መስመር ከምዝመላለሳ ዘመልከተ እቲ በዓል መዚ፣ ግብሪ ዝኸፍላ ግና ሒደት ምዃነን ኣገንዚቡ።
ዘይሕጋዊ ንግዲ ዘመላልሱ ወነንቲ ዓበይቲ መካይን፣ እቲ ኬላታት ዘለዎ ኣውራ ጽርግያታት እናጎሰዩ፣ ካልእ መንገዲታት ክጥቐሙ ምጽንሖም’ዩ እቲ በዓል መዚ ዝወቅስ።

እቲ መስመራት፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ብትሪኮላታን ካልእ ሓጹራትን ተዓጽዉ ከምዘሎ’ውን ኣፍሊጡ።

እቲ በዓል መዚ ኣቐዲሙ፣ ኣብቲ ዞባ ምስ ዝርከቡ ሓይልታት ጸጥታ፣ ነጋዶ፣ ነበርትን ብዛዕባ ዶባ ዝሰገረ ንግዲን ምእካብ ግብርን ብዝምልከት ዘተ ካከትድ ጸኒሑ’ዩ።

ኬንያውያን ካብ ኢትዮጵያ፣ ከም ሰሜንቶን ኣእካልን ዝኣመሰለ ነገራት በዚ መስመር እዚ ከእትዉ እንከለዉ፣ ኢትዮጵያውያን ከኣ ከም ዘይቲ፣ ዝሟቕ፣ ሳሙና፣ ኮቦርታን ካልእን ካብ ኬንያ የምጽኡ።

በዚ መስመር ካብ ዝመላለስ ዘይሕጋዊ ንግዲ፣ መንግስቲ ኬንያ ኣስታት 30 ሚልዮን ሺሊንግ ወይ ልዕሊ 200 ሽሕ ዶላር ግብሪ ይስእን ከምዘሎ ንበዓል መዚ ዞባ ሞያለ ብምጥቃስ እቲ ማዕከን ዜና ኣብ ኣተሓሳሲቡ።

================

COMMENTS

WORDPRESS: 0