ሶማልያ፣ ኣልሸባብ ብዝፈጸሞ መጥቃዕቲ፣ ብውሕዱ 12 ወትሃደራት ቡሩንዲ ተቐቲሎም

Radio Erena: 17 September 2019

ኣልሸባብ፣ ብዘካየዶ መጥቃዕቲ፣ ብውሕዱ 12 ወትሃደራዊት ብሩንዲ ተቐቲሎም።

ካልኦት ሽድይሽተ’ውን ከምዝቖሰሉ፣ ኣገልግሎት ዜና ፈረንሳ ንወትሃደራዊ ምንጭታት ካብ ብጁምብራ ብምጥቃስ ሓቢሩ።

ኣብ ትሕቲ ዓቃብ ሰላም ሰራዊት ሕብረት ኣፍሪቃ ዝተሓቖፉ ወትሃደራት ብሩንዲ ዝጸዓነ ቓፍላይ፣ ኣብ ሰሜናዊ መቛድሾ እናተንቀሳቐሰ እንከሎ፣ ዝተጻወደ ነታጕ ብምፍንጃር’ዩ እቲ መጥቓዕቲ ብቀዳም 14 መስከረም ተኻይዱ።

ኣልሸባብ ነቲ መጥቃዕቲ ከምዝፈጸሙ ተኣሚኑ ኣሎ።

እቲ ዕጡቕ ጉጅለ፣ ብዘይካ’ቲ ነታጕ ብምጽዋድ ዘካየዶ መጥቃዕቲ፣ ኣብ ዝተፈላለየ ነቑጣታት’ውን ዝተወሃሃደ ቶዅሲ ከምዝኸፈተምንጭታት ዜና ‘ታ ሃገር ሓቢሮም።

ይኹን’ምበር በቲ ተኸታተሊ መጥቃዕታት ናይ ዝወረደ ጉድኣት፣ ብዝርዝር ኣይተገልጸን።

==================

COMMENTS

WORDPRESS: 0