ኬንያ፣ ኣብ ዝመጽእ ወርሒ ኣብ ዝካየድ ምርጫ ኢንተርነት ክዕጾ ከምዝኽእል ተጠንቅቕ

ኬንያ፣ ኣብ ዝመጽእ ወርሒ ኣብ ዝካየድ ምርጫ ኢንተርነት ክዕጾ ከምዝኽእል ተጠንቅቕ

Radio Erena: 18 July 2017

kenya

ኬንያ፣ ኣብ ወርሒ ነሓሰ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ንምክያድ ምድዋላት ኣብ እትገብረሉ ዘላ እዋን፣ ኢንተርነት ክዕጾ ከምዝኽእል መንግስቲ እታ ሃገር የጠንቅቕ።

እቲ መንግስቲ፣ ኣገልግሎታት ኢንተርነት ብፍላይ ድማ ማሕበራዊ ሜድያታት ክዕጾ ከምዝኽእል ዘጠንቅቕ ዘሎ፣ ክጎሃሃር ካብ ዝኽእል ግጭት ንምውጋድ’ዩ።

እንተኾነ፣ መንግስቲ ኬንያ ኣብ እዋን ምርጫ ንኢንተርነት ክዓጽዎ ከምዝኽእል ምጥንቃቑ፣ ኣንጻር መትከላት ሓሳብካ ብናጻ ምግላጽ’ዩ ዝበሉ ተቓወምቲ ወገናት፣ ማሕበረ ሰብ ዓለም ንመጠንቀቕታ እቲ መንግስቲ ክቃወም ጸዊዖም።

 

ሓላፊ በዓል መዚ ርክባት እታ ሃገር ፍራንሲስ ዋንጉሲ ብዛዕባ’ዚ ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ መንግስቲ ኢንተርነት ንምዕጻው መደብ ከምዘይብሉ ብምጥቃስ፣ ናዕቢ ከጎሃህር ዝኽእል፣ ዘይወግዓዊ ውጽኢታት ምርጫ ብማሕበራዊ ሜድያታት ምዝርጋሕ ዝኣመሰለ ንጥፈታት ንምውጋድ’ውን ይጽዕር ከምዘሎ ገሊጹ።

ምርጫ ኬንያ ኣብ 8 ነሓሰ ክካየድ’ዩ።
=======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0