ኬንያ፣ ኣብ ሕክምና ተወሺቦም ዝነበሩ 10ታት ሰባት ሃዲሞም

Radio Erena: 23 April 2020

ኣብ ኬንያ፣ ብኮረና ቫይረስ ተጠርጢሮም፣ ኣብ ሕክምና ተወሺቦም ዝነበሩ 10ታት ሰባት ሃዲሞም።

እቶም ብሰሉስ 21 ሚያዝያ ዝሃደሙ ውሹባት፣ ካብቲ ማእከል ዝጾለቝሉ ኣገባብ ብቪድዮ ስኢሎም፣ ብማሕበራዊ ሜዳያታት ድሕሪ ምዝርግሖም ኣብታ ሃገር ኣዘራራቢ ጉዳይ ኮይኑ ይርከብ።

ፕረዚደንት ኬንያ፣ ኡሁሩ ኬንያታ፣ ብዛዕባ’ቲ ፍጻሜ ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ ነቶም ንህዝቢ ንለበዳ ዘቃልዑ’ዮም ዝበሎም ሰባት ናይ ግድን ክርከቡ ምዃኖምን ተታሒዞም ድማ ናብ ዝነበርዎ ክምለሱን ምዃኖም ኣፍሊጡ።

ኣብ ኬንያ፣ ብኮሮና ቫይረስ ተጠርጢሮም ዝተወሸቡ ሰባት ኣብ ዘይምቹእ ኩነታት ከምዝተሓዝ’ዮም ዘማርሩ።

ንኣስታት ክልተ ቕነ ኣብ ማእከላት ዝውሸቡ ሰባት፣ ከከም ዓይነት ናይቲ ማእከላት፣ መዓልታዊ ካብ 20 ክሳብ 100 ዶላር፣ ብገዛእ ርእሶም ክሽፍንዎ ከምዝግደዱ’ዮም ዝገልጹ።

እዚ ድማ ሓደ ካብ ጠንቅታት ህድማ ናይቶም ኣብ ውሸባ ዝነበሩ ኬንያውያን ክኸውን ከምዝኽእል ይግለጽ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0