ኬንያ፣ ኣብዚ ሓሙሽተ ኣዋርሕ፣ ልዕሊ ሓደ ሽሕ ቆልዑ ብኮረና ቫይረስ ተለኺፎም

Radio Erena: 26 August 2020

ኣብ ኬንያ፣ ኣብዚ ዝሓለፈ ሓሙሽተ ኣዋርሕ፣ ልዕሊ ሓደ ሽሕ ቆልዑ ብኮረና ቫይረስ ከምዝተለኽፉ ንሰብ መዚ ጥዕና ብምጥቃስ ማዕከን ዜና እታ ሃገር ሓቢረን።

እቶም 768 ኣብ ክሊ ዕድመ ዓሰርተን ልዕሊኡን ዝርከቡ ክኾኑ እንከለዉ፣ እቶም 430 ግና ትሕቲ ሓሙሽተ ዓመት ዝዕድሚኦም ምዃኖም ሓደ ካብ ላዕለዎት ሰብ ስልጣን ጥዕና ኬንያ፣ ራሺድ ኣማን ኣመልኪቱ።

እት ሃገር፣ ክሳብ 24 ነሓሰ ኣብ ዝነበረ ግዜ፣ ብጠቕላላ ልዕሊ 32, 500 መልከፍቲ ኮረና ቫይረስን ሞት 554 ሰባትን መዝጊባ ኣላ።

ቆልዑ፣ ኮረና ቫይረስ ከመሓላልፉ ዝኽእሉ እኳ እንተኾኑ፣ ብሰንኪ እቲ ቫይረስ ብዝስዕብ ሞት ብዙሕ ተጠቓዕቲ ከምዘይኮኑ’ዩ ዝግለጽ።

=================

COMMENTS

WORDPRESS: 0