“ሱዳን፣ ካብ መዝገብ ሽበራ ዝምውላ ሃገራት ክትእለ ተስፋ ኣለዋ” ክብል ቀ/ሚ ዓብደላ ሓምዶክ ገሊጹ

Radio Erena: 26 August 2020

ሱዳን፣ ካብ መዝገብ ሽበራ ዝምወላ ሃገራት ክትሕኸኽ ተስፋ ከምዘሎ ቀዳማይ ሚኒስተር ዓብደላ ሓምዶክ ገሊጹ።

እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ነዚ ዝገለጸ፣ ብጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ማይክ ፖምፕዮ ዝምራሕ ላዕለዋይ ልኡኽ ኣመሪካ፣ ኣብ ሱዳን ታሪኻዊ ምብጻሕ ድሕሪ ምክያዱ’ዩ።

እቲ ላዕለዋይ ልኡኽ ምምሕዳር ትራምፕ፣ ብ25 ነሓሰ ካብ እስራኤል ተበጊሱ’ዩ ናብ ሱዳን ቀጥታዊ በረራ ብምክያድ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ዓብደላ ሓምዶክን ካልኦት ላዕለዎት ሰበ ስልጣን እታ ሃገርን ዘተ ኣካይዱ።

ኣብቲ ዘተ ቀንዲ ዝተተኮረሉ ነጥብታት፣ ሱዳን ካብ መዝገብ ሽበራ ዝምውላ ሃገራት ክትእለ ከምኡ ድማ ምስ ኢትዮጵያን ግብጽን ኣብ ስምምዕ ክብጻሕ ዘይተኻእለ ጉዳይ ኣጠቓቕማ ናይልን ኢትዮጵያ እትሃንጾ ዘላ ዲግግጋ ተሃድሶን’ዩ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድ’ውን፣ ንላዕለዋይ ልኡኽ መንግስቲ ኣመሪካ ስዒቡ ናብ ካርቱም ብምምራሕ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ዓብደላ ሓምዶክን ካልኦት ሰበ ስልጣንን ተመሳሳሊ ዘተ ምክያዱ ተሓቢሩ።

ኣመኢካ፣ ካብ 1990ታት ኣትሒዙ ንሱዳን፣ ኣብ መዝገብ ሽበራ ዝምውላ ሃገራት ኣስፊራታ ከምዘላ ይፍለጥ።

ካብቲ እዋን’ቲ ኣትሒዙ፣ ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ሱዳን ብዘንበረቶ ዝተፈላለየ እገዳታት፣ ወፍሪን ንግዲን ከተባብዕ ስለዘይክኣለ፣ ኣብ ቁጠባ እታ ሃገር ከቢድ ስምብራት ፈጢሩ።

ሰሜን ኮርያ፣ ሶርያን ኢራንን’ውን ምስ ሱዳን ብሓባር ኣብቲ መዝገብ ሰፊረን ይርከባ።

==============

COMMENTS

WORDPRESS: 0