ኬንያ፣ ብቕትለት ዝተጠርጠሩ 4 ቻይናውያን ናብ ኢትዮጵያ ኣረኪባ

Radio Erena: 03 July 2022

ፖሊስ ኬንያ፤ ብቕትለት ሓደ ቻይናዊ ዜጋ ዝተጠርጠሩ ኣርባዕተ ውልቀሰባት፤ ናብ ምምሕዳር ፖሊስ ኢትዮጵያ ከምዘረከበ፤ ማዕከናት ዜና’ታ ሃገር ሓቢረን።

እቶም ኣርባዕተ ክሱሳት እውን ምስቲ ግዳይ ዜጋታት ሓንቲ ሃገር፤ ማለት ቻይናውያን እዮም።

እዞም ብቅትለት መሳርሕቶም ተኸሲሶም ዘለዉ ቻይናውያን፤ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ሓደ ቤት መግቢ ነቲ ገበን ምስ ፈጸምዎ፤ ብኡ ንብኡ ናብ ኬንያ ከምዝሰገሩ እዩ እቲ ቀሪቡሎም ዘሎ ክሲ ዝሕብር።

ገበን ንምቁጽጻር፤ ሓይልታት ፖሊስ ኬንያን ኢትዮጵያን ብሓባር ክሰርሑ፤ ኣብ ወርሒ ለካቲት 2022 ስምምዕ ምኽታሞም ዝዝከር እዩ።

ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ኣፍሪቃ ኣብ ስራሕ ተዋፊሮም ዘለዉ ዜጋታት ቻይና፤ ዝተፈላለዩ ገበናት፤ ዓሌትነትን ኣፈላላይን ዝብሉ ክስታት ካብ ግዜ ናብ ግዜ ክቐርበሎም ጸኒሑ’ዩ።

ብፍላይ ኣብ ኬንያ ዝርከቡ ቻይናውያን ናብ ፖሊስ ዝቐርበሎም ክስታት ብምብዝሑ፤ ኣብታ ሃገር ዝርከብ ኣምባሳደር ቻይና ዉ ፐንግ፤ ዜጋታቱ ኣብ ኬንያ ኣብ ዝጸንሑሉ፤ ንሕጊ’ታ ሃገር ከኽብሩ፤ እንተዘይኮይኑ ንዓዶም ክፋነዉ ምዃኖም ኣጠንቂቑ እዩ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0