ኬንያ፣ ራይላ ኦዲንጋ ንሕጋውነት እቲ ምርጫ ብዝምልከት ኣፈናዊ ክሲ ኣቕሪቡ

Radio Erena: 24 August 2022

ብድምጺ ብልጫ ብጸቢብ ዝተሳዕረ ፕረዚደንታዊ ተወዳዳሪ ራይላ ኦዲንጋ፣ ንሕጋውነት እቲ ምርጫ ብዝምልከት ኣፈናዊ ክሲ ኣቕሪቡ።

ማዕከናት ዜና ኬንያ ብዘቃልሖኦ ዘለዋ ሓበሬታ መሰረት፣ ቤት ፍርዲ ነቲ ቀሪቡ ዘሎ ኣፈናዊ ክሲ ኣብ ውሽጢ ኣርባዕተ መዓልቲ ምላሽ እንተዘይሂቡሉ፣ ወግዓዊ ክሲ ክምስርት ምዃኑ’ዩ ራይላ ኦዲንጋ ዘጠንቅቕ ዘሎ።

ድሕሪ’ቲ ወግዓዊ ክሲ ምቕራቡ፣ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኬንያ፣ ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ሳምንታት ነቲ ጉዳይ ክፈትሕ ትጽቢት ይግበረሉ።

ንሓምሻይ ግዜኡ ኣብ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ዝተሳዕረ ራይላ ኦዲንጋ፣ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዝተሳዕረሉ እዋን፣ ንውጽኢት ምርጫ ክቕበል ፍቓደኛ ብዘይምንባሩ፣ ኣብ 2007 ህይወት 1,200 ከምኡ’ውን ዓሰርተ ዓመታት ድሒሩ ልዕሊ ሚእቲ ሰባት ዝወሰደ ሕንፍሽፍሽ ኣብታ ሃገር ተላዒሉ’ዩ።

ዕድመ ስልጣኑ ኣብቂዑ ዝእለ ዘሎ ፕረዚደንት ኡሁሩ ኬንያታ፣ ወግዓዊ ደገፉ ኣብ ክንዲ ንምኽትሉ ኮይኑ ዘገልገለ ዊልያም ሩቶ፣ ንራይላ ኦዲንጋ ምሃቡ ዝዝከር ኮይኑ፣ ኣብዚ ውጽኢት ምርጫ ተጣፋፊኡ ዝበሃለሉ ዘሎ እዋን ግና ዝኾነ ርእይቶ ኣይሃበን ዘሎ።

ኬንያ ብዘይ ምልዕዓልን ሕንፍሽፍሽን ንሓፈሻዊ ምርጫ ክትወጾ ድያ ዝብል ዝነበረ ስግኣት፣ ዳግማይ ከይምለስ ፍርሂ ከምዘሎ ዲፕሎማሰኛታት ካብታ ሃገር ይገልጹ።

======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0