ኬንያን ኢትዮጵያን፣ ዶባተን ንንግዲ ክፉት ክኸውን ኣብ ስምምዕ በጺሐን

Radio Erena: 26 September 2021

ኬንያን ኢትዮጵያን፣ ዶባተን ንንግዲ ክፉት ክኸውን ኣብ ስምምዕ በጺሐን።
እቲ ብኢጋድ ከምዝተማእከለ ዝተገልጸ ስምምዕ፣ ኣብ መንጎ’ዘን ክልተ ሃገራት ብፍላይ ከኣ ኣብ ውጽኢት ሕርሻን ሃለኽቲ ነገራትን ኣተኲሩ ዝካየድ ንግዲ፣ ብዘይዝኾነ ምትሕልላኽ ካብን ናብን ክመሓላለፍ ዝሕግዝ ምዃኑ ተገሊጹ።
ነቲ ስምምዕ ዝፈረመ፣ ካብ ሚኒስትሪ ውሽጣዊ ጉዳያት ኬንያ ዊልሰን ጀንጋ ኣብ ዝሃቦ ቃል፣ ምኽፋት ዶብ ሞያለ፣ ንግዳዊ ንጥፈታት ንምትብባዕ ጥራይ ዘይኮነ፣ ህዝቢ’ውን ብውሑስን ስሉጥን መንገዲ ናብ ክልቴን ሃገራት ክመሓላለፍ ዝሕግዝ እዩ ክብል ገሊጹዎ።
ዝርዝር ናይቲ ዝተኻየደ ስምምዕ ገና ዘይተገልጸ እኳ እንተኾነ፣ ኬንያ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ደቂሰብ ንምግታእ ብዝብል፣ ምስ ኢትዮጵያ ዘዳውባ ከባቢታት ብጽኑዕ እያ ክትሕልው ጸኒሓ።
ምኽፋት ንግዳዊ መስመራት ምስ ኬንያ፣ ንኢትዮጵያ ምስቲ ኣብ ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ኲናትን፣ ምስ ሱዳን ዝተፈጥረ ዶባዊ ምስሕሓብን ዘስዓቦ ቁጠባዊ ቅልውላውን ዋሕዲ ቀረብ ሃለኽቲ ነገራትን ንምቅላል ሓጋዚ’ዩ ዝብል ርእይቶታት ክወሃቦ እንከሎ፣ ንግዳዊ መስመር ሞያለ ንኣሽቱ ንግዳዊ ንጥፈታት ካብ ምትብባዕ ሓሊፉ ዘምጽኦ ዓይነታዊ ለውጢ የብሉን ዝብል ተጻራሪ ርእይቶታት እውን ብዝተፈላለዩ ተንተንቲ ይወሃብ ኣሎ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0