ሱዳን፣ ኣብ መንጎ ግዚያዊ መንግስቲ ኣቚሙ ዘሎ ልፍንቲ፣ ምትፍናን ተፈጢሩ

Radio Erena: 26 September 2021

ኣብ ሱዳን ብሰንኪ’ቲ ኣብ ዝሓለፈ መዓልታት ዝተኻየደ ፈተነ ዕልዋ፣ ኣብ መንጎ ግዚያዊ መንግስቲ ኣቚሙ ዘሎ ልፍንቲ ሲቪላዊን፣ ወተሃደራዊን ሓይልታት ምትፍናን ተፈጢሩ።
ኣቦ ወንበር’ቲ ቆንስል ጀነራል ዓብደል ፋታሕ ኣልቡርሃን ኣብ ዝሃቦ ቃል፣ ብሰንኪ’ቲ ዝተኻየደ ፈተነ ዕልዋ፣ ሱዳን ኣብ ተኣፋፊ ኩነታት ስለዘላ፣ ወተሃደራዊ ሓይሊ’ታ ሃገር ብሞግዚትነት ኣብ ስልጣን ክቕጽል ኣለዎ ድሕሪ ምባሉ’ዩ፣ እዚ ሓድሽ ወጥሪ ሰፊኑ ዝርከብ።
ኣካል’ቲ ቆንስል ዝኾነ ብማሕበራት ሰብ ሞያ ዝተጠርነፈ ሓይሊ፣ ኣልቡርሃን ዘቕረቦ እማመ ንደሞክራስያዊ መስርሕ ምስግጋር ስልጣን ዝዘርግን፣ ክልቲኦም ወገናት ዝተሰማምዑሉ ናይ መሰጋገሪ ቅዋም ዝጥሕስን እዩ ብምባል ተቓውሞኡ ኣስሚዑ።
ነቲ ዕልዋ ዝፈተኑ፣ ኣብ መንጎ ሰራዊት ብእስላማዊ ጥሩፍነት ዝተወደቡ ሓይልታት ዝተበገሰ እዩ ኢሉ ከምዝኣምን ዝገለጸ እቲ በርጌሳዊ ማሕበር፣ ጀነራል ኣልቡርሃን ነቶም ሓላፍነት ዝስከሙ ካብቲ ሰራዊት ኣውጺኡ ናብ ሕጊ ከቕርቦም ደኣምበር፣ ብሰንኪ’ቲ ዝፈሸለ ዕልዋ፣ ደሞክራስያዊ መስርሕ ክጥሕስ ኣይግባእን ኢሉ።
ንሰለስተ ዓመታት ዝጸንሕ መሰጋገሪ መንግስቲ ቆንስል ሱዳን፣ እቲ ወተሃደራዊ ሓይሊ ዕድመ ስልጣኑ ኣብቂዑ፣ ንሲቪላዊ መንግስቲ ከረክብ እዩ መሰረታዊ ስምምዕ እዞም ሓይልታት።
ወተሃደራዊ ክፋል መንግስቲ ሱዳን፣ ኣብ ስልጣን ክቕጽል ስለዝደለየ፣ ነቲ ፈተነ ዕልዋ መንግስቲ ባዕሉ ዝወደቦ ድራማ እዩ፣ ዝብል ጥርጣረታት ካብታ ሃገር ክነፍስ ጸኒሑ’ዩ።
ብተወሳኺ፣ ሞግዚት መሰጋገሪ ቆንስል ሱዳን፣ እቲ ወተሃደራዊ ሓይሊ ዘይኮነ፣ ህዝቢ ሱዳን ብምሉኡ እዩ ዝብል ተቓውሞታት ካብ በበይኖም ተቓወምቲ ውድባት ዝወሃብ ዘሎ መግለጺታት እዩ።
ወሃብ ቃል ቆንስል ሱዳን መሓመድ ኣል-ፋኪ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፣ ብሰንኪ’ቲ ዝተኻየደ ፈተነ ዕልዋ ጥራይ ዘይኮነ፣ ናይ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኣኽባር ሕጊ ዝርከቦም ዝተፈላለዩ ጽፍሕታት መንግስቲ ኣብ ምስያም ውልቀሰባት እውን ፍልልያት ክረአ ምጽንሑ ኣመልኪቱ።
ኣብ ሱዳን ምስግጋር ስልጣን ብቤት ፍርዲ ክውሰን ኣለዎ፣ ኣብ መንጎ ዝብሉ ወገናትን ኣብቲ ዝተመደበሉ እዋን ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ ክካየድ ኣለዎ ዝብሉ ወገናትን ሓያል ክትዕ ክካየድ ጸኒሑ’ዩ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0