ካብ ፈረንሳ ናብ ብሪጣንያ ንምስጋር ዝፈተነ ኤርትራዊ ኣብ ገለርያ ሞይቱ

ካብ ፈረንሳ ናብ ብሪጣንያ ንምስጋር ዝፈተነ ኤርትራዊ ኣብ ገለርያ ሞይቱ

Radio Erena: 08 July 2015

Eurotunnel

ካብ ፈረንሳ ናብ ብሪጣንያ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ንምስጋር ዝፈተነ ሓደ ኤርትራዊ ኣብ ገለርያ ሞይቱ ተረኺቡ።

ጠንቒ’ዚ ናብ ትማሊ ዘውግሐ ለይቲ ኣብ ገለርያ ሞይቱ ዝተረኽበ ኤርትራዊ፣ ገና ኣብ መርመራ እኳ እንተሎ፣ ኣብ መንገዲ ባቡር ንሰንኪ ዘሎ ኤሌክትሪክ ክኸውን ከምዝኽእል ይግመት።

ኣብቲ ንእግሊዝን ፈረንሳን ዘራኽብ ገለርያ ሞይቱ ዝተረኽበ ኤርትራዊ፣ ኣብ ውሽጢ’ዚ ክልተ ቅነ ካልኣይ’ዩ።

 

ናብ ብሪጣንያ ንምስጋር ኣብ ወደባዊት ከተማ ካሌ ዝተኣኻኸቡ ዜጋታት ኤርትራ፣ ኢትዮጵያ፣ ሱዳን፣ ሶርያን ኣፍጋኒስታንን ዝረከውቦም ኣስታት 3 ሽሕ ስደተኛታት፣ ተሓቢኦም ናብ ገለርያታት መንገዲ ባቡር ይእትዉ ብምህላዎም፣ ናብ ፈረንሳ ናብ ብሪጣንያ ዝወስድ ጉዕዞ ባቡር፣ ምስንኻላት ከጋጥሞ ይርአ ኣሎ።

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፣ ፖሊስ ግብጺ፣ ናብ ማእከላይ ባሕሪ ብምስንጣቕ ናብ ኢጣልያ ንምእታው ዝወጠኑ ክልተ ኤርትራውያን ዝርከብዎም 26 ሰባት ኣብ ሰሜናዊ ክፋል እታ ሃገር ኣብ ዝርከብ ዞባ በሕርያ ቀይዱ።

ማዕከናት ዜና እታ ሃገር ብዝህብኦ ዘለዋ መግለጺ መሰረት፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ካብ ግብጺ ናብ ኢጣልያ ዝካየድ ዘሎ ዋሕዚ ስደት እናገነነ ይመጽእ ከምዘሎ ብምጥቓስ፣ ኣብ 28 ሰነ’ውን ብተመሳሳሊ 51 ሰባት ኣብ ቀይዲ ከምዝኣተዉ ኣዘኻኺረን።

ብዘይካ’ዚ’ውን ፖሊስ ግብጺ ብዶብ ሱዳንን ሊብያን ዝኣተዉ ኣማኤት ስደተኛታት ቀይዱ ከምዘሎ ዘ ካይሮ ፖስት ኣመልኪቱ።

መብዛሕቶም እዞም በብእዋኑ ብፖሊስ ግብጺ ተታሒዞም ዘለዉ ዜጋታት ግብጺ፣ ሱዳን፣ ኤርትራን ኢትዮጵያን ምዃኖም ይግለጽ።

መንግስቲ ኢጣልያ፣ ቀይሕ ባሕሪ ሰንጢቖም ንዝመጹ 28 ዜጋታት ግብጺ ዝሓለፈ ሰሙን ናብ ዓዶም ምምላሱ’ውን ይዝከር።

====================================

 

 

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0