ሱዳን ምስ ኣመሪካ  ዝምድንኣ ንምምሕያሽ ጻዕርታታ ትቕጽል

ሱዳን ምስ ኣመሪካ ዝምድንኣ ንምምሕያሽ ጻዕርታታ ትቕጽል

Radio Erena: 09 July 2015

Sudan US r

ሱዳን ምስ ኣመሪካ ዘለዋ ሓርፋፍ ዝምድና ናብ ንቡር ንምምላስ ትሰርሕ ምህላዋ ተገሊጹ።

እዚ ዝተገልጸ፣ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሱዳን ኢብራሂም ጋንዶር ብዛዕባ’ቲ ኣብ ዝመጽእ ሰሙን ናብ ካርቱም ዑደት ከካይድ ትጽቢት ዝግበረሉ ዘሎ ፍሉይ ልኡኽ ኣመሪካ ኣመልኪቱ ምስ ኣገልግሎት ዜና ሃገሩ ኣብ ዘካየዶ ቃለ መጠይቕ’ዩ።

ፍሉይ ልኡኽ ኣመሪካ ዶናልድ ቡዝ ኣብ ውሽጢ’ዚ ክልተ ዓመት ንኻልኣይ ግዜኡ’ዩ ናብ ሱዳን ወግዓዊ ምብጻሕ ብምፍጻም ምስ ሰበ ስልጣን እታ ሃገር ክዘራረብ።

 

ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ሱዳን ኣንቢራቶ ዘላ እገዳ ንኽልዓል፣ ፕረዚደንት ኣልበሽር ሓያሎ ዲፕሎማስያዊ ጻዕርታት ኣብ ምክያድ ከምዝርከብ ዝፍለጥ’ዩ።

እንተኾነ ኣመሪካ ኣብ ውሽጣዊ ጉዳያት ሱዳን ብምእታው፣ ሓያሎ ለውጥታት ትጠልብ ብምህላዋ እቲ መስርሕ ከምቲ ዝድለ ክዕወት ከምዘይክኣለ መንግስቲ ሱዳን ይጠቅስ።

ፕረዚደንት ኦባማ ኣብ ስልጣን ድሕሪ ምምጽኡ ኣብዚ ሸሞንተ ዓመታት ምስተን ምስ ዋሽንግተን ዝኾነ ርክብ ዘይነበረን ኩባን ሱዳንን ዝርከብአን ሃገራት ቀጥታዊ ዝርርብ ክካየድ ከምዝኸኣለ’ዮም ተንተንቲ ዝጠቐሱ።

ኣብዚ እዋን’ዚ ዋሽንግተን ምስ ብምሉአን ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃ ቀጥታዊ ርክብ ክህልዋ እንከሎ፣ ኣብቲ ዞባ ቀጥታዊ ርክብ ዘይብላ እንኮ ሃገር ኤርትራ ጥራይ’ያ።

===============

COMMENTS

WORDPRESS: 0