ካብ ፈረንሳ ናብ ብሪጣንያ ንምስጋር ኣብ ናይ ጽዕነት መኪና ዝተሓብኡ ክልተ ስደተኛታት፣ ኣብታ መኪና ብዝተወልዐ ባርዕ ሞይቶም

ካብ ፈረንሳ ናብ ብሪጣንያ ንምስጋር ኣብ ናይ ጽዕነት መኪና ዝተሓብኡ ክልተ ስደተኛታት፣ ኣብታ መኪና ብዝተወልዐ ባርዕ ሞይቶም

Radio Erena: 21 November 2014

Calais Track

ካብ ፈረንሳ ናብ ብሪጣንያ ኣብ እትሰግር ዝነበረት ናይ ጽዕነት መኪና ተሓቢኦም ዝነበሩ ክልተ ስደተኛታት፣ ኣብታ መኪና ድሕሪ ዘጋጠመ ባርዕ ከምዝሞቱ ፖሊስ ፈረንሳ ኣፍሊጦም።

እቶም ስደተኛታት ምስ ዝተፈላለየ ኣቑሑ ኣብ ድሕሪ እታ መኪና ተሓቢኦም ከምዝነበሩ ዝሓበሩ ፖሊስ ፈረንሳ፣ ጠንቒ እቲ ባርዕ ግና ኣብ ምጽራይ ከምዘሎ ኣረዲኦም።

እታ ናይ ጽዕነት መኪና፣ ካብ ወደብ ካሌ ናይ ፈረንሳ ተበጊሳ ናብ ብሪጣንያ ንምስጋር ኣብ መሰጋገሪት መርከብ እናተጻዕነት’ዩ እቲ ባርዕ ኣጋጢሙ።

 

እቶም በቲ ባርዕ ዝሞቱ ክልተ ሰባት’ውን መንነቶም ክልለ ከምዘይክኣለ ፖሊስ ፈረንሳ ኣመልኪቶም።

ፖላንዳዊ መራሒ ናይታ መኪና’ውን መርመራ ይካየደሉ ምህላዉ ኣመልኪቶም።

ኣብ ወደብ ካሌ ናይ ፈረንሳ ናብ ብሪጣንያ ንምስጋር መብዛሕቶም ዜጋታት ኤርትራ፣ ኢትዮጵያ፣ ሱዳን ዝርከብዎም ኣስታት 1500 ስደተኛታት ከምዘለዉ ጸብጻብ ፖሊስ ፈረንሳ የረጋግጽ።

=======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0