ኩባንያ ኔቭሰን፣ ንሓያሎ ኤርትራውያን ኣብ ባርነት ጸሚዱ ዝብል ክሲ ተመስሪትሉ

ኩባንያ ኔቭሰን፣ ንሓያሎ ኤርትራውያን ኣብ ባርነት ጸሚዱ ዝብል ክሲ ተመስሪትሉ

Radio Erena: 21 November 2014

Nevsege

ኣብ ቢሻ ዕደና ወርቂ ዘካይድ ዘሎ ናይ ካናዳ ኩባንያ ነቭሸን፣ ኣብ ኤርትራ ኣብ ምምዝማዝ ናጻ ጉልበት ኢድ ከምዘለዎ ኣብቲ ናይ ዕደና ፕሮጀክት ተመዲቦም ዝሰርሑ ዝነበሩ ሰለስተ ኤርትራውያን ከሲሶም።

እቶም ኣብ ካናዳ ከተማ ቫንኩቨር ናብ ዝርከብ ቤት ፍርዲ ክሲ ዘቕረቡ ሰለስተ ኤርትራውያን፣ ሰራሕተኛታት ናይቲ ኣብ ቢሻ ብኔቭሰን ኣብ ዝካየድ ዘሎ ዕደና ኣብ ናይ ህንጻ ስራሕ ዝተዋፈረ ኩባንያ ሰገን ምንባሮም ኣብ ዘቕረብዎ ክሲ ኣፍሊጦም።

ንሳቶም ምስ ናይ ህግደፍ ኩባንያ ሰገን ብምዃን ኣብ ቢሻ ተዋፊሮምሉ ኣብ ዝነበሩ እዋን፣ ምስ ባርነት ክጽብጸብ ዝኽእል ምዝመዛ ናጻ ጉልበትን ካልእ ግፍዕታትን ከምዝበጽሖም’ውን ጠቒሶም።

 

ኣብ ቫንኩቨር ዝርከብ ቤት ፍርዲ ኣብ ዘቕረብዎ ክሲ፣ ኣብ ካናዳ ዝመደበሩ ትካል ጥብቕና ይተሓባበሮም ምህላዉ’ውን ማእከል ኣህጉራዊ ፍትሒ ካናዳ ኣብ ዝዘርግሖ መግለጺ ኣመልኪቱ።

ናይ ካናዳ ኩባንያ ኔቭሰን ብሃገራዊ ኣገልግሎት ተመዲቦም ዝተዋፈሩ ኤርትራውያን ኣብቲ ገዚፍ መኽሰብ ዝርከቦ ናይ ዕደና ፕሮጀክት ምውፋሩ፣ ምስ ባርነት ዝጽብጸብ’ዩ እናበሉ ሓያሎ ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ይወቕስዎ’ዮም።

ነቲ ኣብ ኤርትራ፣ ኣብ ቢሻ ግዙፍ ናይ ዕደና ወርቂ ዘካይድ ዘሎ ኔቭሰን፣ QPR ዝተባህለ ኩባንያ ቀጠር ብሓደ ቢልዮን ዶላር ክዕድጎ ሓሳብ ከምዘለዎ’ውን ብሉምበርግ ዝተባህለ ማዕከን ዜና ኣንፊቱ።

=============================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0