ካብ ዝርቑሑ ልዕሊ ሓደ ወርሒ ዘቑጸሩ ኣባላት ባይቶ ደቡብ ሱዳን፣ ዝመጽእ ሰሙን ቃለ መሓላ ክፍጽሙ’ዮም

Radio Erena: 27 July 2021

ኣባላት ባይቶ ንክኾኑ ካብ ዝርቑሑ ወርሒን ሰለስተ ሰሙንን ኣቑጺሮም ዘለዉ ሓገግቲ ኣካላት ደቡብ ሱዳን፣ ስርሖም ንምጅማር፣ ዝመጽእ ሰሙን ቃለ መሓላ ክፍጽሙ ምዃኖም ፕረዚደንት ሳልቫኪር ሚያርዲት ገሊጹ።

እቲ ፕረዚደንት፣ ዝመጽእ ሰሙን እናተባህለ፣ ነዊሕ ክደናጎ ዝጸንሐ ምጅማር ስራሕ እዞም ኣባላት ባይቶ፣ ዝመጽእ ሰሙን ግና ናይ መወዳእታ መዕለቢ ክግበረሉ’ዩ ክብል ተዛሪቡ።

ባይቶ ደቡብ ሱዳን፣ ኣብ 09 ግንቦት ብፕረዚደንት ምስ ተበተነ፣ እታ ሃገር ብዘይ ሓጋጊ ኣካል’ያ ትርከብ።

ዝመጽእ ሰሙን ስርሑ ክጅምር ምዃኑ ተነጊርሉ ዘሎ ባይቶ ደቡብ ሱዳን፣ ኣፈኛኡ ጓለነስተይቲ ክትከውን’ያ።

ፓርላማ ደቡብ ሱዳን ዝተበተነሉ ምኽንያት፣ ቅድሚ ሰለስተ ዓመታት ዝተኸተመ ስምምዕ ሰላም እታ ሃገር፣ ኣብ ግብሪ ንምውዓሉ፣ ኣፍደገ ንምኽፋት’ዩ ተባሂሉ።

ብመሰረት እቲ ስምምዕ፣ 400 ኣባላት ዝሓቖፈ ፓርላማ ድሕሪ ምፍራሱ፣ ካብ ኩሎም ናይቲ ስምምዕ ዝኸተሙ ኣካላት ዝሓቖፈ 550 መናብር ዘለዎ ሓድሽ ባይቶ ክህሉ’ዩ።

ኣብ 2011 ናጽነታ ዝኣወጀት ደቡብ ሱዳን፣ ካብ ጽባሕ ናጽነታ ኣትሒዙ ብዝተጎሃሃረ ቀቢላዊን ፖለቲካዊን ጎንጽታት፣ ህይወት ልዕሊ 400 ሽሕ ዜጋታት ጠፊኡ።

ብፍላይ ኣብ መንጎ ‘ቶም ብፕረዚደንት ሳልቫኪር ዝምርሑ ቀቢላ ዲንካን ንዕጡቕ ተቓዋሚ ሓይሊ ሬክ ማቻር ዝድግፉ ዓሌት ኑዌርን ዝተኻየደ ደማዊ ግጭታት፣ ነታ ሃገር ናብ ኣፈፌት ውድቐት ኣምሪሑዋ ጸኒሑ።

ድሕሪ ዝተኸተመ ስምምዕ ሰላም፣ ሬክ ማቻር ምክትል ፕረዚደንት ክኸውን እንከሎ፣ ኣብዚ ዝመጽእ ሰሙን ቃለ መሓላ ዝፍጽም ሓድሽ ፓርላማ 25% ናይቲ መናብር ክውንን’ዩ።
===================

COMMENTS

WORDPRESS: 0