ካብ ዓድታት ዞባ ማእከልን ዓንሰባን ናብ ጋሽ ባርካ ክወርዱ ዝተገደዱ ኣስታት 2 ሽሕ ሓረስቶት፣ ኣብ ከቢድ ክሳራ ከምዝወደቑ ገሊጾም

ካብ ዓድታት ዞባ ማእከልን ዓንሰባን ናብ ጋሽ ባርካ ክወርዱ ዝተገደዱ ኣስታት 2 ሽሕ ሓረስቶት፣ ኣብ ከቢድ ክሳራ ከምዝወደቑ ገሊጾም

Radio Erena: April 30, 2014

Dry Season in Eritrea

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ካብ ሓያሎ ዓድታት ዞባ ማእከልን ዓንሰባን ናብ ከባቢ ኦምሓጀር ወሪዶም ክሓርሱ ዝወሰኑ ልዕሊ 2 ሽሕ ሓረስቶት፣ ብሰንኪ ምሕደራ መንግስቲ ኣብ ከቢድ ክሳራ ከምዝወደቑ ኣማሪሮም።

እቶም እኹል ማይን ናይ ሕርሻ መሬትን ኣብ ዘይብሉ ዓድታት ዞባ ማእከልን ዓንሰባን ስለዘለኹም መንግስቲ ክሕግዘኩም ናብ ጋሽ ባርካ ውረዱ ተባሂሎም ዝተደፋፍኡ ሓረስቶት፣ ኣብ ከባቢታት ቓጨሮ፣ ኦምሓጀር፣ ሳሙናይትን ጎልጅን ንነፍሲ ወከፎም ከክልተ ሄክታር መሬት ተዓዲልዎም መሸላ እኳ እንተዘርኡ፣ ብሰንኪ ዘይንቡር ክራማትን፣ ምሕደራ መንግስትን ጥራይ ኢዶም ከምዝተረፉ’ዮም ዝገልጹ።

 

መንንግስቲ ብዝቐረበሎም ትራክተራት ብኽራይ ክሓርሱ ዕድል እኳ እንተተዋህቦም ብድሕሪኡ ግና ዝኾነ ቆላሕተ ከምዘይተገብረሎም ዝሓበሩ እቶም ሓረስቶት፣ ኣብ ርእሱ ድማ እቲ ክራማት ዘተባብዕ ስለዘይነበረ እቲ መሸላ ቅድሚ ምውላዱ ከምዝሓረረ ኣረዲኦም።

ነቲ ቃንጫ’ውን መንግስቲ ክገዝኣልኩም’የ ስለዝበሎም ተወሳኺ ገንዘብ ብምልቓሕ ከምዘዕጸድዎ ብምጥቃስ፣ እንተኾነ ክሳብ እዚ እዋን’ዚ መንግስቲ ንዋጋ ናይቲ ብልቓሕ ዝዓጸድዎ ቃንጫ ክመልሶም ከምዘይክኣለ ሓቢሮም።

ሓያሎ ካብቶም ካብ ዞባታት ማእከልን ዓንሰባን ናብ ከባቢ ኦምሓጀር ዝወረዱ ኣስታት 2 ሽሕ ሓረስቶት፣ ናብ ዓድታቶም ክምለሱ እንከለዉ እቶም ዝበዝሑ ግና ክሳራታቶም ንምምላስ ሎሚ ዓመት’ውን ዕድሎም ክፍትኑ ምዃኖም የመልክቱ።

እቶም ሓረስቶት፣ ብዛዕባ’ቲ ዘጋጠሞም ጸገማት ንሎሚ ዓመት ክግበር ዝግብኦ ጥንቓቐታትን ናብ ሚኒስትሪ ሕርሻ ወግዓዊ ሕቶ እኳ እንተቕረቡ፣ ሚኒስትሪ ሕርሻ ዝኾነ ምላሽ ከምዘይሃቦም’ውን ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።

=========================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0