ፕረዚደንት ሶማል ናብ ጅቡቲ ዑደት ኣካይዱ

ፕረዚደንት ሶማል ናብ ጅቡቲ ዑደት ኣካይዱ

Radio Erena: May 1, 2014

somali pre

ፕረዚደንት ፈደራላዊ መንግስቲ ሶማል ሓሰን ሸኽ ማሕሙድ ኣብ ጅቡቲ ናይ ሓደ መዓልቲ ዑደት ኣካይዱ።

እቲ ፕረዚደንት ኣብ ጅቡቲ ኣብ ዘካየዶ ዑደት ምስ ፕረዚደንት እስማዒል ዑመር ጉለ ብምርኻብ፣ ንክልቲኤን ሃገራት ኣብ ዝጸሉ ህሉው ኩነታት ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዘትዮም።

ፕረዚደንት ሓሰን ሸኽ ማሕሙድ፣ ድሕሪ’ቲ ምስ ፕረዚደንት ጅቡቲ ዘካየዶ ርክብ፣ ምስ ቴሌቪዥን እታ ሃገር ኣብ ዘካየዶ ቃለ መጠይቕ፣ መንግስቲ ሶማል ምስ ኩለን ጎረባብቲ ሃገራት ጥቡቕ ዝምድና ክምስርት ከምዝደሊ ገሊጹ።

 

መንግስቲ ኬንያ ኣብ ልዕሊ ሶማላውያን ዝፍጽሞ ዘሎ ግፍዕታት ከምዘተሓሳሰቦ ዝሓበረ እቲ ፕረዚደንት፣ ብፍላይ ምእሳር ኣብ ናይሮቢ ዝርከብ ዲፕሎማሰኝኡ ከምዘቖጥዖ ኣፍሊጡ።

ብሰንኪ’ዚ ድማ ኣብ ኬንያ ዝነበረ ኣምባሳደሩ ክስሕብ ከምዝወሰነ ኣረጋጊጹ።

ይኹን’ምበር እዚ ምስ ኬንያ ኣጋጢሙ ዘሎ ዲፕሎማስያዊ ምስሕሓብ ንምፍታሕ ጻዕርታት ይቕጽል ከምዘሎ ኣረዲኡ።

ፈደራላዊ መንግስቲ ሶማል ኣብ ኩለን ጎረባብቲ ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ ቀዋሚ ኤምባሲታት ክህልዎ እንከሎ፣ እታ ምስዚ መንግስቲ ወግዓዊ ዲፕሎማስያዊ ርክብ ዘይብላ ኣብዚ ዞባ እትርከብ እንኮ ሃገር ኤርትራ’ያ።

================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0