ካብ ኤርትራ ናብ ዕዳጋ ዓለም ዝቐረብ ዘሎ ነሓስ ካብቲ ዝበለጸ’ዩ ተባሂሉ

ካብ ኤርትራ ናብ ዕዳጋ ዓለም ዝቐረብ ዘሎ ነሓስ ካብቲ ዝበለጸ’ዩ ተባሂሉ

Radio Erena: May 28, 2014

nevs

ኩባንያ ዕደና ኔቭሰን፣ ካብ ኤርትር ናብ ዕዳጋ ዘቕርቦ ዘሎ ነሓስ ብዓይነቱ ኣብ ዓለም ካብቲ ዝበለጸ ምዃኑ ተገሊጹ።

ኣብ ቢሻ ናይ ወርቕን ነሓስን ገዚፍ ዕደና ዘካይድ ዘሎ ኣብ ካናዳ ዝመደበሩ ኩባንያ ኔቭሰን፣ ኣቐዲሙ ናይ ወርቂ ፍርያቱ ናብ ዕዳጋ ከቕርብ ከምዝጸንሐ ዝፍለጥ ኮይኑ፣ ካብ መወዳእታ ወርሒ ታሕሳስ 2013 ኣትሒዙ ድማ፣ ነሓስ ክሸይጥ ጀሚሩ’ዩ።

እቲ 60 ሚእታዊት ናይ ዕደና ቢሻ ወኒኑ ዝርከብ ኩባንያ ዕደና ኔቭሰን፣ ኣብዘን ዝሓለፈ ሓሙሽተ ኣዋርሕ ጥራይ ዘተባብዕ ዕደጋ ነሓስ ረኺቡ ከምዘ’ዩ ዝጠቕስ።

 

እዚ ድማ፣ እቲ ካብ ኤርትራ ናብ ዕዳጋ ዘቕርቦ ዘሎ ነሓስ ብዓይነቱ ካብቲ ዝበለጸ ብምዃኑ እቲ ኩባንያ የረድእ።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ቻይና 20ሚልዮን ዶላር ዝዋግኡ 11460 ቶን ነሃስ ካብ ኤርትራ ከምዝሸመተት ይዝከር።

ኣብ ኤርትራ ካብ ካናዳ፣ ኣውስትራልያ፣ ብሪጣንያ፣ ቻይና፣ ሊብያን ካልኦት ሃገራትን ዝመጸማ ብውሕዱ 18 ኩባንያታት ዕደና ከምዘለዋ ይፍለጥ።

ይኹን’ንምበር ወርቅን ነሓስ ብገዚፍ ዓቐን ናብ ዕዳጋ ከቕርብ ዝጀመረ እንኮ ኩባንያ ዛጊት ናይ ካንዳ ኔቭሰን ጥራይ’ዩ።

እቲ ኩባንያ፣ ናይ ዘካየዶ ንጥፈታት ብቐጻሊ ጸብጻብ ዘቕርብ እኳ እንተኾነ፣ 40 ሚእታዊት ናይ ፕሮጀክት ቢሻ ወኒኑ ዝርከብ መንግስቲ ኤርትራ ግና ወትሩ ሓበሬታ ካብ ምሃብ ምስተቖጠበ’ዩ።

====================================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0