ካብ ኣመሪካ ናብ ኤርትራ ዝተሰጎገ መንእሰይ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ካይሮ ርእሰ ቅትለት ፈጺሙ

ካብ ኣመሪካ ናብ ኤርትራ ዝተሰጎገ መንእሰይ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ካይሮ ርእሰ ቅትለት ፈጺሙ

Radio Erena: 11 June 2018

Cairo airport

ካብ ኣመሪካ፣ ተሰጕጉ ናብ ኤርትራ ዘምርሕ ዝነበረ ኤርትራዊ መንእሰያት፣ ኣብ ግብጺ መዓርፎ ነፈቲ ካይሮ ድሕሪ ምብጽሑ ርእሰ ቅትለት ከምዝፈጸመ ኣገልግሎት ዜና ፈረንሳ ሓቢሩ።

እቲ ዘርእሰናይ ኤርሚያስ ተስፋጽዮን ዝተባሀለ ወዲ 34 ዓመት ኤርትራዊ መንእሰይ፣ ካብ ኣመሪካ ናብ ኤርትራ ንምስግጋር ናብ መዓርፎ ነፈርቲ ካይሮ ድሕሪ ምርካቡ፣ ኣብ መሕጸቢ ሰብነት ናይቲ ተታሒዝሉ ዝነበረ ቦታ’ ብቀዳም 9 ሰነ’ዩ ሞይቱ ተረኺቡ።

ሬስኡ ናብ ሆስፒታል ድሕሪ ምውሳዱ፣ ነቶም ኣሰንዮሞ ዝመጹ ኣባላት ክፍሊ ኢምግሬሽን ኣመሪካ ከምዝተረከበ’ውን ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።

እቲ ኤርትራ መንእሰያት፣ ብሜክሲኮ ኣቢሉ ናብ ኣመሪካ ድሕሪ ምእታው፣ ካብ ለካቲት 2017 ኣትሒዙ ቴክሳስ ኣብ ዝርከብ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ከምዝጸንሐ ጸብጻባ ናይቲ ኣገልግሎት ዜና የመልክት።

ፕረዚድነት ትራምፕ ኣብ ስልጣን ድሕሪ ምምጽኡ ኣብ ልዕሊ ሕጋዊ መንበሪ ፍቓድ ዘይብሎም ስደተኛታት ድሕሪ ዘሕለፎ ናይ ማእሰርትን ምጥራዝን ውሳኔ፣ ብውሕዱ 700 ኤርትራውያን ናይ ምጥራዝ መስርሕ ይጽበዩ ከምዘለው ክግለጽ ጸኒሑ’ዩ።

እንተኾንነ፣ መንግስቲ ኤርትራ፣ ብዘይድሌቶም ተጠሪዞም ንዝመጹ ኤርትራውያን ክቕበል ፍቓደኛ ብዘይምዃኑ፣ ምምሕዳር ትራምፕ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ናይ ቪዛ እገዳ ክትግበር ምውሳኑ ኣይርሳዕን።

ኣብ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ሓላፊ ክፍሊ ኣፍሪቃ፣ ኣምባሳደር ዶናልድ ያማማቶ ናብ ኤርትራ ዑደት ብምክያድ ምስ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ኣብ ዝተራኸበሉ እዋን፣ ጎኒ ጎኒ’ቲ ካልእ ጉዳያት፣ ኣብዚ ነጥቢ’ዚ ብምትኳር ከምዝተዘራረቡ ዲፕሎማስያውን ምንጭታት የመልክቱ።

=======================

 

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0