ውሳኔ ኢህወደግ፣ ንዜጋታት ኤርትራን ኢትዮጵያን የካትዕ

ውሳኔ ኢህወደግ፣ ንዜጋታት ኤርትራን ኢትዮጵያን የካትዕ

Radio Erena: 11 June 2018

Eritrea Ethiopia flags

ፈጻሚት ሽማግለ ኢህወደግን መንግስቲ ኢትይጵያን፣ ስምምዕ ኣልጀርስን ውሳኔ ኮሚሽን ዶብን ምሉእ ብምሉእ ከምዝቕበልዎን ከምዘተግብርዎን ዘሕለፍዎ ውሳኔ፣ ንኢትዮጵውያን ከፋፊልዎም ከምዘሎ ኣብ ዝተፈላለየ መርበባት ሓበሬታን ማዕከናት ዜናን ይቓላሕ ኣሎ።

ገለ ኢትዮጵያን እቲ ውሳኔ ንሰላምን ሰናይ ጉርብትና ኣፍደገ ዝኸፈት’ዩ እናበሉ ክድግፍዎ እንከለዉ፣ገሊኦም ከኣ ከቢድ ዋጋ ተኸፊልዎ ኣብ ትሕቲ ሰራዊት ኢትዮጵያ ዝርከብ ባድመን ካልእ ከባቢታትን ብከምዚ ዓይነት ውሳኔ ክሕደግ ኣይግባእን ብምባል ተቓውምኦ የስምዑ ኣለዉ።

ብፍላይ ኣብቲ ንኤርትራ ክወሃብ ዝተወሰነ ባድመን ካልእ ዓድታትን ዝርከቡ ኢትዮጵውያን፣ እቲ ውሳኔ ንጉዳይ መንነቶምን ዜግነቶምን ኣብ ሓደጋ ዘእቱ’ዩ ብምባል ናይ ተቓውሞ ሰለማዊ ሰልፊ ከምዘካየዱ ካብ ትግራይ ተሰሚዑ።

 መንግስቲ ኤርትራ፣ ፈጻሚት ሽማግለ ኢህወደግን መንግስቲ ኢትዮጵያን ብመንገዲ ማዕከን ዜናኦም ንዝሃብዎ መግለጺ ዝኾነ ወግዓዊ ምላሽ ኣያበሉን።

እቲ ኣብ ውሽጢ ሃገር ዝርከብ ህዝቢ ኤርትራ፣ ከምቲ ልሙድ ርእይቶኡ ብናጻ ከይገልጽ ዝተኣገደ እኳ እንተኾነ፣ ሓያሎ ኣብ ወጻኢ ዝርከቡ ኤርትራውያን ግና ነዚ ናይ ኢትዮጵያ ተበግሶ ክድግፉን ክቃወሙን ይስምዑ ኣለዉ።

ብሰንኪ ናይ ባድመ ኩነታት፣ ህዝቢ ኤርትራ ግዳይ ዝተፈላለየ ፖለቲካዊ፣ ቁጠባን ማሕበራውን ሕሰማት ብኣውሩ ድማ ግዳይ ስደትን ምብትታንን ኮይኑ ከምዘሎ ዘዘኻኽሩ ሓይሎ ኤርትራውያን ወገናት፣ እዚ ናይ ኢትዮጵያ ውሳኔ፣ ሓደ ስጉምቲ ንተበግሶ ሰላም’ዩ እናበሉ ይገልጽዎ።

ኢትዮጵያ ነቲ ናይ ኣልጀርስ ስምምዕ ከምእትቕበልን ምሉእ ብምሉእ ከምእተተግብርን ምግላጻ ጥራይ ኣኻሊ ከምዘይኮነ ዘገንዘቡ ካልኦት ወገናት፣ ብዘይዝኾነ ቅድመ ኩነት ሰራዊታ ክትስሕ ዘለዋ ክብሉ ነቲ ናይ ኢትዮጵያ መግለጺ ወግዓነትን ሕጋውነትን ከምዘይብሉ ብመንገዲ ማሕበራዊ ሜድያታት ርእይቶታቶም ይህቡ።

ኣውራ መንቀሊ ውግእ መንግስቲ ኤርትራን ኢትዮጵያን ጉዳይ ዶብን ዋንነት ባድመን ስለዘይነበረ፣ ኢትይጵያ ሰራዊታ ካብቲ ከባቢታት እንተስሒባ’ውን ናይ ሰላም ጎደና እዘን ክልተ ሃገራት ገና ርሑቕ ምህላው’ዮም ዝተፈላለዩ ወገናት ዝድምድሙ።

====================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0