ካብ ባሕሪ ድሒኖም፣ ን18 መዓልታት ትቕበሎም ሃገር ስኢኖም ዝጸንሑ 98 ስደተኛታት፣ ኣብ ላምፔዱሳ ክወርዱ’ዮም

Radio Erena: 21 August 2019

ካብ ማእከላይ ባሕሪ ድሒኖም፣ ን18 መዓልታት ኣብ መርከብ ዝርከቡ 98 ስደተኛታት ትቕበሎም ሃገራት ስኢኖም ከምዝጸንሑ ኣብ ስጳኛ ዝመደበሩ ትካል ግብረ ሰናይ Open Arms ኣፍሊጡ።

እንተኾነ፣ ትማሊ ኣማስያኡ፣ ኣብ ላምፔዱሳ ክወርዱ ኢጣልያ ምፍቃዳ ይግለጽ ኣሎ።

እቲ ትካል፣ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ብዘዋፈራ መርከብ ዘድሓኖም ኤርትራውያን ዝርከብዎም ስደተኛታት፣ ናብ ክሊ ማይ ኢጣልያ ከይትጽጋዕ ተኸልኪላ ከምዘላ ብምሕባር፣ መንግስቲ ኢጣልያ ናብ ስጳኛ ክትምለስ ክሓትት ምጽንሑ’ዩ ዝጠቅስ።

ስጳኛ ብወገና ነቶም ስደተኛታት ከምዘይትቕበል ኣፍሊጣ።

ኣብ መርከብ ንልዕሊ ክልተ ሰሙን ጸኒሖም ዘለዉ ስደተኛታት፣ ተስፋ ብምቑራጽ ገሊኦም እናዘለሉ ናብ ባሕሪ ይኣትዉ ከምዘለዉ እቲ ትካል ግብረ ሰናይ የመልክት።

ንክልተ ሰሙን ኣብ መርከብ ዝጸንሑ፣ 31 ቆልዑ ዘለዎም ልዕሊ 120 ስደተኛታት፣ ሽዱሽተ ሃገራት ኤውሮጳ ክቕበልኦም ከምዝተሰማምዓ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢጣልያ ጁሰፐ ኮንተ ቅድሚ ራብዕቲ ምጥቃሱ ይዝከር።

ኢጣልያ፣ ነቶም ትሕቲ ዕድመ ቆልዑ ክትቅበሎም እንከላ፣ ነቶም ዝተረፉ ግና ናብ ካልእ ሃገራት ክግዕዙ’ያ ክትሕብር ጸኒሓ።

ኣብዚ ዝሓለፈ ሰለስተ ቅነ፣ ካብ ገማግም ባሕሪ ሊብያ ካብ ዝተበገሳ ጀላቡ ዝደሓኑ፣ ብዙሓት ኤርትራውያን ዝርከብዎም ኣስታት 500 ስደተኛታት፣ ዝቕበልኦም ሃገራት ስኢኖም ኣብተን ዘድሓንኦም መራኽብ ከምዝርከቡ ክግለጽ ጸኒሑ’ዩ።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ፣ ኣስታት 300 ስደተኛታት ዝጸዓነት ጃልባ፣ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ብምጥሓላ፣ መብዛሕቶም ኤርትራውያን ዝኾኑ 150 ሰባት ሞይቶም’ዮም።

ድሕሪ’ዚ ሓደጋ’ዚ፣ ሓያሎ ትካላት ግብረ ሰናይ መራኽብ ብምውፋር፣ ህወይት ኣብ ምድሓን ተዋፊረን እኳ እንተለዋ፣ ዝቕበልኦም ሃገራት ኣብ ምርካብ ግና ከቢድ ብድሆ ገጢሙወን ይርከብ።

ሊብያ ብወገና፣ ካብ ገማግም ባሕራ ዝተበገሱ ልዕሊ 300 ስደተኛታት፣ ኣብዚ ዝሓለፈ ሰሙን፣ ከምዝሓዘቶም ኣቐዲሙ ተገሊጹ’ዩ።

=======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0