ካብ ሱዳን ናብ ሊብያ ዝሰግሩ ዝነበሩ 305 ስደተኛታት ተታሒዞም

ካብ ሱዳን ናብ ሊብያ ዝሰግሩ ዝነበሩ 305 ስደተኛታት ተታሒዞም

Radio Erena: May 16, 2014

Sudan Libya

ካብ ሱዳን ናብ ሊብያ ዝሰግሩ ዝነበሩ ተወሰኽቲ 305 ስደተኛታት ብሓይልታት ጸጥታ ሱዳን ተታሒዞም።

እቶም ኣብ ሰለስተ ናይ ጽዕነት መካይን ዝነብሩ 305 ስደተኛታት፣ ናብ ሊብያ ኣብ ዝወስድ ዶንጎላ ኣብ ዝተባህለ ሰሚናዊ ምዕራብ ሱዳን፣ ከምዝተታሕዙ ሰበ ስልጣን መንግስቲ ሱዳን የመልክቱ።

እቶም 45 ካብኣቶም ዜጋታት ሱዳን ምዃኖም ዝሓበሩ ሰበስልጣን ሱዳን፣ ዜግነት ናይቶም 260 ካብ ምሕባር ግና ተቖጢቦም ኣለዉ። እንተኾነ መብዛሕቶም ዜጋታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ክኮኑ ከምዝኽእሉ ጥርጣረታት ኣሎ።

 

እቶም 305 ስደተኛታት ናብ ዶብ ሊብያ ክጽግዑ ክኢሎም እኳ እንተነበሩ፣ ዘስግርዎም ዝነብሩ ሰባት ኣብ በረኻ ጠንጢኖሞም ብምኻዶም ብጥሜት፣ ጽምእን ድኻምን ተሰኒፎም ኣብ ዝነበርሉ እዋን ብሓለዋ ዶባት ሊብያ ተታሒዞም ናብ ሱዳን ከባቢ ደንጎላ ከምዝተመልሱ’ውን ይግለጽ።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ’ውን ዘሰግርዎም ዝነበሩ ሰባት ኣብ በረኻ ጠንጢኖም ዝኸዱ ተመሳሳሊ ብዝሒ ዘለዎም ስደተኛታት ብጥሜትን ጽምእን ተሰኒፎም ኣብ ዝተረኽብሉ 10 ካብኣቶም ሞይቶም ከምዝጸንሑ መንግስቲ ሱዳን ምግላጹ ኣይርሳዕን።

ኣቐዲሙ’ውን ሰራዊት ሊብያ ናብ ሱዳን ዝመለሶም ኣስታት 450 ስደተኛታት ኣብ ቀይዲ ተታሒዞም ከምዘለዉ ሚኒስተር ምክልኻል ሱዳን ኣፍሊጡ’ዩ።

ዋሕዚ ኤርትራውያን ስደተኛታት ካብ መዓስከራት ኢትዮጵያን ሱዳንን ናብ ሊብያ ልዕሊ ዝኾነ እዋን ገንኒኑ ብምህላዉ ኣውራ መዛረቢ ማዕከናት ዜና ኤውሮጳ ኮይኑ ይርከብ።

ናብ ሃገራት ኤውሮጳ ንእታው ዝሕልኑ ኣስታት 450 ሽሕ ስደተኛታት ኣብ ሊብያ ከምዘለዉ ጸብጻባት የመልክቱ።
===========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0