ሓባራዊ ኮሚቴ ሚኒስተራት ኢትዮጵያን የመንን ንሳልስቲ ዝቐጸለ ርክብ ኣካይዶም

ሓባራዊ ኮሚቴ ሚኒስተራት ኢትዮጵያን የመንን ንሳልስቲ ዝቐጸለ ርክብ ኣካይዶም

Radio Erena: May 16, 2014

Ethio Yemen

መንግስቲ ኢትዮጵያን የመንን ኣብ ሓያሎ ምትሕግጋዝ ዘተኮረ ስምምዓት ትማሊ ሓሙስ ከቲሞም።

እቲ ስምምዕ ዝተኸተመ፣ ሓባራዊ ርክብ ሚኒስተራት ክልትኤን ሃገራት ኣብ ሰንዓ ድሕሪ ምክያዱ ኮይኑ፣ ነቲ ስምምዕ ብወገን ኢትዮጵያ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም ብወገን የመን ድማ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣቡባከር ኣልቑርቢ’ዮም ከቲሞሞ።

 

እቲ ንሰለስተ መዓልታት ዝተኻየደ ርክብ ሓባራዊ ኮሚቴ ሚኒስተራት ክልትኤን ሃገራት፣ ኣብ ንግድን ወፍርን፣ ትምህርቲ፣ ጥዕናን ካልእ ጽላታትን ክህሉ ብዛዕባ ዝኽእል ምትሕግጋዝ ዘተኮረ ምንባሩ ኣገልግሎት ዜና የመን ገሊጹ።

ወከልቲ ናይቲ ብፈደራላዊ ስርዓት ንምምሕዳር ዝወሰነ መንግስቲ የመን፣ ካብ ፈደራላዊ ምምሕዳር ኢትዮጵያ ተሞክሮኣ ንምቕሳም ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ ኢትዮጵያ ዑደት ከምዘካየዱ ኣይርሳዕን።
============================

COMMENTS

WORDPRESS: 0