ካብ ሰራዊት መንግስቲ የመን ዝተፈንጨሉ ዕጡቓት ንቤተመንግስቲ ዓደን ተቖጻጺሮም

ካብ ሰራዊት መንግስቲ የመን ዝተፈንጨሉ ዕጡቓት ንቤተመንግስቲ ዓደን ተቖጻጺሮም

Radio Erena: 29 January 2018

Aden

ንከተማ ዓደን ተቖጻጺሩ ዝርከብ ሰራዊት ናይቲ ብስዑዲ ዓረብን ሕቡራት ኢማራትን ዝድገፉ መንግስቲ የመን ንሓድሕዱ ኵናት ከምዘካየደ ማዕከናት ዜና ካብታ ከተማ ሓቢረን።

ካብቲ መንግስቲ ዝተፈንጨሉ ዕጡቓት፣ ድሕሪ’ቲ ዘካየድዎ ሓድሕዳዊ ኵናት ንቤት ጽሕፈት እቲ መንግስቲ ከምዝተቖጻጸሩ እቶም ምንጭታት ብተወሳኺ ኣፍሊጦም።

ብምትሕግጋዝ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፣ ኣብ ኤርትራ ዝሰልጠኑ ኣማኢት ወትሃደራት ናይቲ መንግስቲ ኣብ ሓለዋ’ዚ ብዕጡቓት ተወሪሩ ዘሎ ቤት መንግስቲ ተዋፊሮም ከምዝነበሩ ይዝከር።

ኣንጻር ሑቲ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ኵናት ምስቲ ብስዑዲ ዓረብን ሕቡራት ኢማራትን ዝድገፍ ዘሎን ብፕረዚደንት ዓብደረቦ መንሱር ሓዲ ዝምራሕን መንግስቲ የመን ልፍንቲ መስሪቶም ዝጸንሑ ዕጡቓት፣ ነቲ ዝበዝሐ ክፋሉ ኣብ ስደት ኣብ ሪያድ ዝርከብ መንግስቲ የመን ብብልሽውናን ብምትፍናን ዜጋታት የመንን ብምውቃስ’ዮም ክፍንጨሉ ዝወሰኑ።

ኣብ ሪያድ፣ ኣብ ስደት ዝርከቡ ፕረዚደንት ዓብደረቦ መንሱር ሓዲን ቀዳማይ ሚኒስተሩ ኣሕመድ ቢን ዳገርን፣ ነቶም ካብ መንግስቲ ብምፍንጫል ቤተ መንግስቲ ዓደን ተቖጻጺሮም ዝርከቡ ዕጡቓት ብ”ዕልዋ መንግስቲ” ከሲሰምዎም ኣለዉ።

እዞም ዕጡቃት ኣብ ልዕሊ’ቲ ኣብ ዓደን ዝቖመ መንግስቲ የመን ወሲዶሞ ዘለዉ ስጉምቲ፣ ንስዑዲ ዓረብን ሕቡራት ኢማራትን ካልኦት ደገፍተን ሃገራትን ዓቢ ወትሃደራውን ፖለቲካውን ጽፍዒት ምዃኑ ተንተንቲ የረድኡ።

ብዝተራቀቓ ነፈርቲ፣ ሚሳይላት፣ ከቢድ ብረታት፣ ታንክታትን ዘመናዊ ኣጽዋርን ቢልዮናት ናይ ገንዘብ ሓይልን ተሓጊዘን ኣብ ልዕሊ ሑቲ መጥቃዕቲ ዘካየዳ ዘለዋ ስዑዲ ዓረብ ሕቡራት ኢማራን ዝመራሒተን ሃገራት፣ ነቲ ካብ ኢራን ደገፍ ይረክብ’ዩ ዝብሃል ብኣመንቲ ሺዓ ዝተመስረተ ሑቲ ከዳኽምዎ ከምዘይክኣሉ እቶም ተንተንቲ ብተወሳኺ ይጠቕሱ።

ብኣንጻር’ዚ፣ ምንቅስቓስ ሑቲ ንየመን ጥራይ ዘይኮነ ንመላእ ሃገራት ወሽመጥ ዓረብ ኣብ ታኼላ ሸሚሙወን ከምዘሎ’ዩ ዝግምገም።

ስዑዲ ዓረብን ኢማራትን ነቲ ብደገፍን ደው ኢሉ ዘሎ ስማዊ መንግስቲ የመን ኣማኢት ሚልዮናት ዶላራት ባጀት ከምዝስልዓሉ’ዩ ዝንገር።

እንተኾነ እቲ መንግስቲ፣ ብክልተ እግሩ ደው ኢሉ፣ ጸጥታ የመን ከውሕስስ ይትረፍ፣ ርግኣት ናይታ ተደኵኑላ ዘሎ ከተማ ዓደን’ውን ክሕሉ ኣይከኣለን።

መንግስቲ የመን ብሓይልታት ሑቲ ተደፊኡ ካብ ርእሰ ከተማ ሰንዓ ድሕሪ ምህዳሙ፣ ብስዑዲ ዓረብን ኢማራትን ተደገፉ ኣብ ከተማ ዓደን ንምቛሙ’ዩ ጻዕርታት ክካየድ ጸኒሑ።

ሑቲ ኣቐዲሙ’ውን ምስኡ ብልፍንቲ ዝጸንሐን ድሕሩ ግና ናብ ስዑዲ ዓረብን ኢማራትን ንምኽዳዕ ተበግሶ ዝወሰደ፣ ን30 ዓመታት ፕረዚደንት የመን ዝነበረ ዓሊ ዓብደላ ሳልሕ ከምዝቐተሎ ኣይርሳዕን።

=================

COMMENTS

WORDPRESS: 0