ኢጣልያ፣ 800 ስደተኛታት ካብ ምጥሓል ድሒኖም

ኢጣልያ፣ 800 ስደተኛታት ካብ ምጥሓል ድሒኖም

Radio Erena: 29 January 2018

Med rescue

ካብ ገማግም ባሕሪ ሊብያ ዝተበገሱ ኣስታት 800 ስደተኛታት ዝተፈላለያ ሃገራት ብቀዳም 27 ጥሪ ብሓይሊ ባሕሪ ባሕሪ ኢጣልያ ድሒኖም።

ካብቶም ብሓሙሽተ ጀላቡ ዝተበገሱ ኣማኢት ስደተኛታት፣ ናይ ክልተ ሰባት ሬሳ ክርከብ እንከሎ ኣብ ሳናቡኦም ማይ ዝኣተዎም ሸውዓተ ቆልዑ ከኣ ብሄሊኮፕተር ናብ ዝቀረበ ሆስፒታል ናይ ቱኒዝያ ከምዝተወስዱ ሓለዋ ገማግም ባሕሪ ኢጣልያ ኣፍሊጡ።

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፣ ኣብ የመን ካብ ዝካየድ ዘሎ ኵናት ናብ ጅቡቲ ንምህዳም ዝሓለኑ 30 ዜጋታት ኢትዮጵያን ሶማልን ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ከምዝጠሓሉ ሕቡራት ሃገራት ገሊጹ።

እቲ ኣህጉራዊ ትካል ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፣ ዝሓለፈ ሰሙን 152 ዜጋታት ሶማልን ኢትዮጵያን ካብቲ ኣብ የመን ዘሎ ኩነታት ንምህዳም፣ ብጃልባ ካብ ገማግም ባሕሪ ዓደን ናብ ጅቡቲ ከምዝተበገሱ ድሕሪ ምምልካት፣ ኣብ መንጎ’ቶም ዘሰጋግርዎም ዝነበሩ ዕጡቃት ብዝተፈጥረ ዘይምርድዳእ፣ ቶኽሲ ከምዝተኻየደ ሓቢሩ።

ብሰንኪ’ዚ ድማ እታ ጃልባ ክትጥሕል ከምዝኸኣለት እቲ ጸብጻብ ብተወሳኺ ኣገንዚቡ።

ኣብዛ ዝሓለፈት ዓመት ጥራይ፣ መብዛሕቶም ዜጋታት ሶማልን ኢትዮጵያን ዝኾኑ 87 ሽሕ ስደተኛታት ናብ የመን ከምዝኣተዉ’ዩ ጸብጻብ ኣህጉራዊ ማሕበር ስደተኛታት ዘመልክት።

ይኹን’ምበር መብዛሕቶም እቶም ናብ ስዑዲ ዓረብን ካልኦት ሃገራት ወሽመጥን ንምስጋር ሓሊኖም ናብ የመን ዝሰግሩ ዘለዉ ዜጋታት ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ፣ ኣብ መንጎ ኵናት ተቐርቂሮም ኣብ ከበዲ ሕሰም ከምዘለዉ እቲ ትካል የተሓሳስብ።

ኣብ የመን ቁጽሮም ብልክዕ ዘይተፈልጠ ዜጋታት ኤርትራ ኣብ ሕማቕ ኩነታት ከምዘለው’ውን ብተደጋጋሚ ክግለጽ ጸኒሑ’ዩ።

=======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0