“ካብ 2001 ኣትሒዞም ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝርከቡ ጉጅለ 15ን ጋዜጠኛታትን ብሙሉኦም ብህይወት ኣለዉ፣” ሚ/ ጉ/ወጻኢ ኣቶ ዑስማን ሳልሕ

“ካብ 2001 ኣትሒዞም ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝርከቡ ጉጅለ 15ን ጋዜጠኛታትን ብሙሉኦም ብህይወት ኣለዉ፣” ሚ/ ጉ/ወጻኢ ኣቶ ዑስማን ሳልሕ

Radio Erena: 20 June 2016

Osman Salih

ካብ መስከረም 2001 ኣትሒዞም፣ ንኣስታት 15 ዓመታት ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝርከቡ ኤርትራውያን ፖለቲከኛታትን ጋዜጠኛታትን ብህወይት ከምዘለዉ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኣ ኤርትራ ኣቶ ዑስማን ሳልሕ ገሊጹ።

ኣቶ ዑስማን ምስ ሬድዮ ፍራንስ ኢንተርናሽናል ኣብ ዘካየዶ ቃለ መጠይቕ፣ ንሃለዋት’ቲ ኣብ ሃገራት ኤውሮጳ ብቐጻሊ ዝሕተተሉ፣ ናይ ሽወደንን ኤርትራን ድርብ ዜግነት ዘለዎ ዳዊት ኢሳቕን፣ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ነበር ጴጥሮስ ሰለሙንን ብዝምልከት ከም ኣብነት ኣብ ዝቐረበሉ ሕቶ ኣብ ዝሃቦ ምላሽ፣ እቶም ብጉጅለ 15 ዝፍለጡ ፖለቲከኛታትን ጋዜጠኛታትን ኣብ ጽቡቕ ናይ ጥዕና ኩነታት ከምዘለው ብምምልካት፣ መንግስቲ ኣብ ዝወሰኖ መዓልቲ ናብ ፍርዲ ክቀርቡን ናጻ ክልቐቑ ምዃኖም’ውን ጠቒሱ።

ንሱ ኣብ ዝሃቦ ተወሳኺ መብርሂ፣ ክሳብ እዚ እዋን’ዚ ኣብ ቤት ፍርዲ ዘይቐረብሉ ምኽንያት ናይ ፖለቲካ እሱራት ብምዃኖም ፖለቲካዊ ውሳኔ ጥራይ’ዮም ዝጽበዩ ክብል’ውን ጠቒሱ።

ብዛዕባ መግለጺ እቲ ሚኒስተር ብዝምልከት ሬድዮ ኤረና ዝተወከሰቶም ሰማዕቲ ኣብ ዝሃብዎ ርእይቶ ከኣ፣ ሃለዋት ናይቶም በብእዋኑ ዝተቐየዱ ፖለቲከኛታትን ጋዜጠኛታትን ዝኾነ መግለጺ ዘይህብ መንግስቲ ኤርትራ፣ ሎሚ ኣብ ድሮ’ቲ ጸብጻብ መርማሪት ኮሚሽን ዝቐርበሉ ዕለታት ብመንገዲ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢኡ ኣቢሉ፣ ምስ ምሉእ ጥዕንኦም ከምዘለዉ ክገልጽ ምፍታኑ፣ ካብ ሓልዮትን ሰብውነትን ዘይኮነ፣ ብገበን ኣንጻር ሰብኣውነት ከይክሰስ ስለዝፈርሐ’ዮ ክብሉ ኣረዲኦም።

ነቲ ሚኒስተር ኣሰንያ ሓሙስ 16 ሰነ ኣብ ፓሪስ ናብ ዝርከብ ቤት ጽሕፈት ሬድዮ ፍራንስ ኢንተርናሽናል ዝተጓዓዘት ኣምባሳደር መንግስቲ ኤርትራ ሃና ስምኦን፣ ኣቐዲማ ምስ ማዕከናት ዜና ፈረንሳ ኣብ ዘካየደቶ ቃለ መጠይቕ፣ “ጉጅለ 15ን ጋዜጠኛታትን ናይ ፖለቲካ እሱራት ኣይኮኑን ከምዝበለት ኣይርሳዕን።

ንመንግስቲ ኤርትራ ወኪሉ ብ8 ሰነ ኣብ ጄኔቫ ጋዜጣዊ መግለጺ ዝሃበ ኣማኻሪ ፕረዚደንትን ሓላፊ ፖለቲካዊ ጉዳያት ህግደፍን ኣቶ የማን ገብርኣብ ከኣ፣ ብዛዕባ ሃለዋት እቶም ንኣስትትታት 15 ዓመታት ዝተኣስሩ ዜጋታት ኣብ ዝተሓተተሉ፣ ብዛዕባ’ዚ ክምልስ ፍቓደኛ ከምዘይኮነ ምጥቃሱ ይዝከር።

እዚ ሰበ ስልጣን መንግስቲ ኤርትራን ኣምባሳደራቱን ዝህብዎ ዘለዉ ንሓድሕዱ ዝጋጮን መርትዖ ዘይብሉን መግለጺታት፣ ካብቲ “ገበን ኣንጻር ሰብኣውነት” ዝብል ክሲ ንምህዳም ዝፈጠሮ ነውጺ ምዃኑ ተዓዘብቲ ይጠቕሱ።

ሓያሎ ካብቶም ኣብ 2001 ዝተኣስሩ ሰበ ስልጣን ነበርን ጋዜጠኛታትን ሰኣን ግቡእ ኣተሓሕዛ፣ ሕክምና ኣብ እዋኑ ክረኽቡ ብዘይምኽኣሎምን ህይወቶም ከምዝሓለፈ’ዩ ዝግለጽ።

ቀዋሚት ኣባል ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ዝኾነት ፈረንሳ፣ ኣብዚ እዋን ኣብ ጉዳይ ኤርትራ ዕቱብ ምክትታል ተካይድ ምህላዋ ዝፍለጥ ኮይኑ፣ ማዕከናት ዜና እታ ሃገር ከኣ ንህሉው ኩነታት ኤርትራ ብሰፊሑ ኣብ ምቕላሕ ይርከባ።

ፕረዚደንት ፈረንሳ፣ ፍራንስዋ ሆላንድ’ውን ኣብ ኤርትራ ዘሎ ኩነታት ክፍታሕ፣ ልምዓታዊ ሓገዝ ጥራይ ዘይኮነ ኣብ ልዕሊ’ቲ መንግስቲ ፖለቲካዊ ጸቕጢ’ውን ክግበር ኣለዎ ክብል ብወግዒ ከምዝገለጸ ኣይርሳዕን።

መንግስቲ ኤርትራ፣ ዛጊት ናብ ኤርትራ ክኣትዋ ዝፈቕደለን ማዕከናት ዜና ፈረንሳ ኣርባዕተ ዓበይቲ መደበራት ቴሌቪዥንን ሓያሎ ጋዜጣታትን ይርከቦ።

ኣብዚ ዓመት እዚ ናብ ኤርትራ ካብ ዝኣተዉ ናይ ወጻኢ ጋዜጠኛታት፣ ፈረንሳውያን እቶም ዝበዝሑ’ዮም።

ካብ ማዕከናት ዜና ክሃድሙ ዝርኣዩ ዝነበሩ ሰበ ስልጣን መንግስቲ ኤርትራ፣ ድሕሪ’ዚ ብመርማሪት ኮሚሽን ዝቀረበ ጸብጻብ ባዕላቶም ንማዕከናት ዜና ኤውሮጳ እናሓተቱ ቃለ መጠይቕ ክገብሩ ፍቓደኛታት ምዃኖም ይሕብሩ ምህላዉ እዚ ናይ ሬድዮ ፍራንስ ኢንተርናሽናል ሓደ ኣብነት’ዩ።

========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0