ካብ ሕ. ኢማራት ዓረብ ናብ ኤርትራ እተምርሕ ዝነበረት መርከብ ጥሒላ

ካብ ሕ. ኢማራት ዓረብ ናብ ኤርትራ እተምርሕ ዝነበረት መርከብ ጥሒላ

Radio Erena: 05 September 2017

Ship drowned

ካብ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ናብ ኤርትራ ተመርሕ ዝነበረት ናይ ጽዕነት መርከብ ኣብ ክሊ ባሕሪ ዖማን ከምዝጠሓለተ ሚኒስትሪ መጓዓዝያን መራኸቢታትን እታ ሃገር ኣፍሊጡ።

እታ ናይ ታንዛንያ ባንዴራ እናንበልበለት ናብ ኤርትራ ተምርሕ ዝነበረት መርከብ፣ ላካቢ ካብ ዝተባህለት ናይ ዖማን ከተማ 620 ኪሎ ሜተር ርሑቕ ኣብ ዝርከብ ክሊ ማይ፣ ብቀዳም 2 መስከረም ከምዝጠሓለት መግለጺ እቲ ሚኒስትሪ የረጋግጽ።

ኣብታ መርከብ ዝነበሩ ኣስታት 20 ሰራሕተኛታት ብሓገዝ ኣብቲ ከብቢ ዝነበረ ዖማናዊ ገፋፍ ዓሳ ክድሕኑ ከምዝኸኣሉ ዝሓበረ መግለጺ ሚኒስትሪ መጓዓዝያን መራኸቢታትን እታ ሃገር፣ እታ መርከብ ማይ ኣልሑዃ ክትጥሕል ኣብ ዝጀመረትሉ፣ ሓደ ካብ ኣባላት እታ መርከብ ዝኾነ ፓኪስታናዊ ብዝፈነዎ ናይ ርድኡና ናይ ሬድዮ መልእኽቲ ናብቲ ፋይዝ ኣል ጁናይቢ ዝተባህለ ገፋፊ ዓሳ ከምዝበጽሐ ኣፍሊጡ።

እቶም ዝደሓኑ 20 ሰራሕተኛታት እታ መርከብ ኣልጃዚር ናብ ዝተባህለ ሆስፒታል ተወሲዶም መርመራ ከምዘካየዱን፣ ዝኾነ ጉድኣት ከምዘይበጽሖም እቲ መግለጺ ብተወሳኺ የረድእ።

ብመሰረት እቲ መግለጺ፣ ሓይሊ ባሕሪ ዖማን ንኩነታት እታ ዝጠሓለት መርከብ ይከታተሎ ኣሎ።

እታ ካብ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ናብ ኤርትራ ተምርሕ ዝነበረት መርከብ፣ ናይ ህንጻ ኣቑሒ ጽዒና ምንባራ’ዩ ተገሊጹ።

ስእሊ፣- ኣርካይቭስ ኢንተርነት

=======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0