ካቢነ ሚኒስተራት ዚምባብዌ፣ ንፕረዚደንት ሙጋበ ኣብ ጽምብል ዕለተ ልደቱ ከም ህያብ ዘበርከተሉ “ዓርብያ ስንኩላን” ኣብታ ሃገር ኣዘራሪቡ

ካቢነ ሚኒስተራት ዚምባብዌ፣ ንፕረዚደንት ሙጋበ ኣብ ጽምብል ዕለተ ልደቱ ከም ህያብ ዘበርከተሉ “ዓርብያ ስንኩላን” ኣብታ ሃገር ኣዘራሪቡ

Radio Erena: 06 April 2017

Mugabe

ኣባላት ካቢነ ሚኒስተራት ዚምባብዌ፣ ብእርጋን ተሰኒፉ ንዘሎ ፕረዚደንት ሮበርት ሙጋበ ብምኽንያት መበል 93 ዓመት ልደቱ፣ ብኤልክትሪክ እትሰርሕ ዓረብያ ስንኩላን ብህያብ ከምዘበርከተሉ ማዕከናት ዜና ካብታ ሃገር ሓቢረን።

ኣባላት ካቢነ፣ ንፕረዚደንት ሙጋበ ዓረብያ ስንኩላን ህያብ ምብርካቶም፣ እቲ ፕረዚደንት ኣብ ምንቕስቓስ ይጽገም ከምዘሎ ዘረድእ’ዩ ክብሉ ሓያሎ ተቓወምቲ ፖለቲከኛታት’ታ ሃገር ግምታቶም ይህቡ።

ፕረዚደንት ሙጋበ ኣብ ውሽጢ’ቲ ቤተ መንግስቲ ካብ ናብን ኣብ ዝንቐሳቐሰሉ እዋን፣ እታ ዓርብያ ስንኩላን፣ክትሕግዞ ትኽእል’ያ ተባሂላ ብኣባላት ካቢነ ከም ህያብ ክትልገሰሉ ከምዝተሓስበት’ውን ካልኦት ወገናት እታ ሃገር ይጠቕሱ።

እዚ ኣብ ቤተ- መንግስቲ ሃራረ ዝተኻየደ፣ ናይ ህያብ ጽምብል ምስጢራዊ እኳ እንተነበረ ሓደ ሓደ ኣባላት ካቢነ ነቲ ምስጢር ከምዘቃልዕዎ’ዩ ዝግለጽ ዘሎ።

ፕረዚደንት ሙጋበ ብዛዕባ’ታ ካብ ኣባላት ካቢነኡ ተለጊሳትሉ ተባሂላ ኣብ መላእ እታ ሃገር እተዘራረብ ዘላ ብኤልክትሪክ እትሰርሕ ዘመናዊት ዓረብያ ስንኩላን ብዝምልከት ዝኾነ ሓበሬታ ኣይሃበን።

ይኹን’ምበር ነቲ ናይ ህያብ ጽምብል ካብ ዝወደቡ ኣባላት ካቢኒ ሓንቲ ዝኾነት፣ ሚኒስተር ዕዮን ሰብኣዊ ድሕነት ፕሪስካ ሙፉሚራ ንማዕከናት ዜና ዚምባብዌ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፣ እቲ ንፕረዚደንት ሙጋበ ዝተለገሰሉ ህያብ፣ ዓርበያ ናይ ስንኩላን ዘይኮነ፣ መወሳወሲን መድረዚን ኣካላት ዘለዎ መንበር (massaging and exercise chair) ምዃኑ’ያ ሓቢራ።

እታ ሚኒስተር፣ ንፕረዚደነት ሙጋበ ኣብ መበል 93 ዓመት ልደቱ መድረዚ ኣካላት ዘለዋ መንበር ከም ህያብ ምልጋስና ዘዛርብ የብሉን ክትብል’ውን ነቲ ኣብታ ሃገር ዝጋዋሕ ዘሎ ወረ ነቒፋ።

ንሳ ብተወሳኺ፣ ነቲ ፕረዚደንት ካብ ወርቂ ዝተሰርሐ ሰዓትን ብርዒን’ውን ብምኽንያት ዕለተ ልደቱ ከም ህያብ ከምዘበርከትሉ ኣረጋጊጻ።

ዋጋ ናይቲ ንፕረዚደንት ሙጋበ ኣብ መበል 93 ዓመት ልደቱ ዝተለገሰሉ ህያባት ካብ ምሕባር ግና ተቖጢባ።

ንኣስታት 38 ዓመታት ኣብ ስልጣን ዝርከብ ፕረዚደንት ዚምባብዌ ሮበርት ሙጋበ፣ ንጽምብል ዕለተ ልደቶም ሚልዮናት ዶላራት ካብ ዘባኽኑ መራሕቲ ሃገራት ኣፍሪቃ’ዩ።

ወዲ 93 ዓመት ፕረዚደንት ሙጋበ ብህወይት ክሳብ ዘሎ ኣብ ስልጣን ክጸንሕ ምዃኑ’ዩ ኣረጋጊጹ።

ሓደ እዋን ሞሶብ ኣፍሪቃ እናተባህለት እትግለጽ ዝነበረት ዚምባብዌ፣ ኣብዚ ናይ 10ታት ዓመት ዘመነ ስልጣን ሮበርት ሙጋበ ሓንቲ ካብ ድኻታት ሃገራት ዓለም ኮይና ትርከብ።

=========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0