ካርቱም፣ ግዳያት ናዕቢ ፍትሒ ክረኽቡ ዝጽውዕ ሰለማዊ ሰልፊ ተኻይዱ

Radio Erena: 01 July 2020

ኣብ ሱዳን፣ ስርዓት ኣልበሽር ንምእላውን ድሕሪኡ ናብ ስልጣን ንዝደየበ ወትሃደራዊ ሓይልን ንምቅዋም ኣብዝ ተኻየደ ህዝባዊ ናዕቢ ዝተቐትሉ ዜጋታት ፍትሒ ክረኽቡዝጽውዕ ሰለማዊ ሰልፊ ተኻይዱ።

እቲ ትማሊ፣ ሰሉስ 30 ሰነ፣ ኣብ ከተማ ካርቱም ዝተኻየደ ሰላማዊ ሰልፊ፣ ህዝቢ ነቲ ብጉልባብ ኮረና ዝተኣውጀ ሰዓታት እቶ እቶ ብምጥሓስ’ዩ ኣካይድዎ።

ፖሊስ፣ ሰልፈኛታት ንምብታን ዘንብዕ ጋዝን ናይ ፕላስቲክ ጠያይትን ተኵሶም።ከምዝተኮሱ እኳ እንተተሓበረ፣ ኣብ ሰብ ዝበጽሐ ጉድኣት ዛጊት ኣይተሓበረን።

ቀዳማይ ሚኒስተር ዓብደላ ሓምዶክ፣ ህዝቢ፣ ለውጢ ዝጠለበ ሰልፊ ምክያዱ ጥራይ ዘይኮነ፣ ንዝተኻየደ ለውጢ ናይ ምክትታል ሕጋዊ መሰልንን ስልጣንን ከምዘለዎ ብምእማን፣ ነቲ ጉዳይ ይከታተልዎ ከምዘለዉ ኣረጋጊጹ።

ሰራዊትን ሲቪልን፣ ብልፍንቲ ዘቖምዎ ናይ መሰጋገሪ መድረኽ፣ ቀሊል ከምዘይኮነ ብምጥቃስ፣ ከበድቲ ብድሆታት ይገጥሞ ምህላዉ’ውን ኣዘኻኺሩ።

እንተኾነ እቲ ከበድቲ ብድሆታት ዝበሎ ኣይዘርዘረን።

እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር፣ ኣብዚ ቀረባ መዓልታት፣ ንፖለቲካ ቁጠባን ሱዳን ዝጸልዉ ሓያሎ ውሳኔታት ክስዕብ ምዃኑ ኣገንዚቡ።

ሱዳን፣ ድሕሪ’ቲ ዝሓለፈ ዓመት ዝተኻየደ ሰለማዊ ሰልፍታትን ህዝባዊ ናዕብን፣ እዚ ትማሊ ሰኑይ ዝተኻየደ እቲ ዝኸበደ’ዩ።

=============

COMMENTS

WORDPRESS: 0