ኢትዮጵያ፣ “ሓወልቲ ሚኒሊክ ክፈርስ ኣለዎ ዝብል መርገጺ ከምዝጸንሖ ዝንገረሉ” ህቡብ ድምጻዊ ኦሮሞ ተቐቲሉ

Radio Erena: 30 June 2020

ኣብ ኢትዮጵያ፣ ኣብዚ ዝሓለፈ ክልተ ዓመታት፣ ሓድሽ መንግስቲ ናብ ስልጣን ይምጻእ ደኣ’ምበር፣ ጸጥታን ድሕነትን እታ ሃገር ምሉእ ብምሉእ ከውሕስ ኣይከኣለን።

ዝሓለፈ ዓመት፣ ጠቕላሊ ሓለቓ ስታፍ ሰራዊት እታ ሃገር ጀነራል ሰዓረ መኮነን ዝርከቦም ብውሕዱ ኣርባዕተ ሰበ ስልጣን መንግስቲ ተቐቲሎም’ዮም።

ሓድሽ መንግስቲ ናብ ስልጣን ካብ ዝመጽእ ዛጊት ብደረጃ ክልልን ፈደራልን ናይ ዝተቐንጸሉ ሰበ ስልጣን ብዝሒ ልዕሊ 10 ከምዝበጽሐ ጸብጻባት የመልክቱ።

ትማሊ ሰኑይ 29 ሰነ ድማ፣ ብቋንቋ ኦሮሞ፣ ደርፍን ካልእ ስነጥበብን ዘፍሪ ሃጫሉ ሁንዴሳ ዝተባህለ መንእሰይ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ተቐቲሉ።

ቅትለት እዚ፣ ኣብ ትንሳኤ ስነጥበብ ኦሮሞ ተስፋ ዝተነብረሉ መንእሰያይ ፖለቲካዊ ዕላማ ከምዘለዎ ካብ ዝተፈላለዩ ወገናት ይስማዕ ኣሎ።

ብፍላይ፣ “ሓወልቲ ሚኒሊክ ካብ ክልል ኦሮሞ ክፈርስ ኣለዎ” ዝብል መርገጺ ሒዙ ምስ ምጽንሑ፣ ቅትለት እቲ መንእሰይ ምስ ወገን ኣምሓራ ዘተሓሕዝዎ ወገናት ኣብ ማሕበራዊ ሜድያታት መሊኦም’ዮም።

ኮሚሽን ፖሊስ ከተማ ኣዲስ ኣበባ፣ እቲ ቅትለት ይጻረ ከምዘሎን ጥርጡራት ድማ ከምዝሓዘን ብምጥቃስ፣ ውጽኢቱ ንህዝቢ ብወግዒ ክሕበር ምዃኑ ኣፍሊጡ።

ቀ/ሚ ኢትዮጵ ኣብይ ኣሕመድ ብወገኑ፣ ነቲ ቅትለት ብምኹናን፣ ንስድራቤቱ፣ መቕርቡን ፈተውቱን ጽንዓት ይሃብኩም ኢሉ።

ንቅትለት እዚ ድምጻዊ መንእሰይ ዝኹንን ሰለማዊ ሰልፍታት ኣብ ሓያሎ ከባቢታት ኣዲስ ኣበባን ክልላት ኦሮሞን ይካየድ ኣሎ።

ጸጸኒሑ ናይ ብሄር ግጭታት ኣብ ዝነትጓ ዘሎ ኢትዮጵያ፣ ቅትለት እዚ ኣብ ተወላዲ ኦሮሞ ዝኾነ ስነጥበባዊ፣ ተወሳኺ ምትፍናን ከይፈጥ የሻቕል።

===============

COMMENTS

WORDPRESS: 0