‘ካርቱም፣ ዕጡቓት ዳዒሽ ንምህዳን ኣብ ዝተኻየደ ስርሒት፣ ሓሙሽተ ወትሃደራት መንግስቲ ተቐቲሎም።

Radio Erena: 30 September 2021

ኣብ ሱዳን ከተማ ካርቱም፣ ዕጡቓት ዳዒሽ ንምህዳን ኣብ ዝተኻየደ ስርሒት፣ ሓሙሽተ ወትሃደራት መንግስቲ ከምዝተቐትሉ፣ ሃገራዊ ድሕነትን ጸጥታን እታ ሃገር ገሊጹ።

ኣብቲ ብሰሉስ 28 መስከረም ዝተኻየደ ስርሒት፣ ናይ ዝተፈላለያ ሃገራት ዜግነት ዘለዎም 11 ኣባላት ዳዒሽ ክተሓዙ እንከለዉ፣ ኣርባዕተ ግና ከምዝሃደሙ መግለጺ ናይቲ ናይ ጸጥታ ትካል ጠቒሱ።

ጃብራ ኣብ ዝተባህለ ከባቢ ሱዳን፣ ክልተ ደርቢ ኣብ ዘለዎ ህንጻ፣ ንስርሒት ዝተዳለዉ ኣባላት ዳዒሽ ከምዘለዉ ሓበሬታ ዝበጽሖ፣ መንግስቲ ሱዳን፣ ጸረ ሽበራ ፍሉይ ሓይሊ ብምውፋር’ዩ ነቲ ስርሒት ኣካይድዎ።

ኣብቲ ህንጻን ከባቢኡን ዝነብሩ ሰለማውያን ሰባት፣ ተፈንጃሪ ከይህሉ ብምስጋእ ክግዕዙ ከምዝተገደዱ ዝሓበረ ወኪል ኣገልግሎት ዜና ፈረንሳ ካብ ካርቱም ብወገኑ፣ ጽዑቕ ምልውዋጥ ቶኽሲ ከምዝተኻየደ ንናይ ዓይኒ መሰኻክር ብምጥቃስ ኣብ ጸብጻቡ ኣስፊሩ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ዓብደላ ሓምዶክ፣ ንስድራቤት ናይቶም ኣብቲ ስርሒት ንዝተቐትሉ ወትሃደራት ጽንዓት ይሃብኩም ድሕሪ ምባል፣ ዝቖሰሉ’ውን ብቕልጡፍ ክሓውዩ ምንዮቱ ገሊጹ።

ኣብ ቀራና መንገዲ እትርከብ ሱዳን፣ ካብዚ ዝሓለፈ ሰለስተ ዓመታት ኣትሒዙ፣ ምንቅስቓስ ጥሩፍ እስላማዊ ጉጅለ ዳዒሽ ሓደ ካብ ዘስግኡዋ ተርእዮታት ኮይኑ ይርከብ።

==================

COMMENTS

WORDPRESS: 0