‘ኣብ ትግራይ ተኸሲቱ ዘሎ ዓጸቦ ሰብ ዘምጽኦ ስለዝኾነ፣ መንግስቲ ኢትዮጵያ ክፍውሶ ይኽእል’ዩ።’ ክብል ኮሚሽነር ሰብኣዊ ጉዳያት ሕቡራት ሃገራት ገሊጹ

Radio Erena: 30 September 2021

ኣብ ትግራይ፣ ንኣዋርሕ ዝቐጸለ ከበባ፣ ረዲኤት ንዝጸዓና መካይን ከይንቀሳቐሳ ዓጊቱ ከምዘሎ ኮሚሽነር ሰብኣዊ ጉዳያት ሕቡራት ሃገራት ማርቲን ግሪፍትስ ገሊጹ።

ንሱ ምስ ሮይተርስ ኣብ ዘካየዶ ቃለ መጠይቕ፣ ኣብ ትግራይ ተኸሲቱ ዘሎ ዓጸቦ ንምፍታሕ፣ ረዲኤት ዝጸዓና መካይን ክኣትዋ ምፍቃድ ጥራይ ‘ዩ ዘድሊ ክብል ኣስሚርሉ።

ናብ ትግራይ ዝኣትዋ ዝነበራ መካይን ናብ 10% ጥራይ ከምዝጎድላ ዝገበረ ከበባ መንግስቲ፣ እንተተኣልዩ፣ ነቲ ኣስታት ፍርቂ ሚልዮን ዝግመት ህጹጽ መግቢ ዘድልዮ ህዝቢ ንምርዳእ ከምዘየጸግም’ዩ እቲ ኮሚሽነር ሓቢሩ።

ኣስታት 400 ሽሕ ዝግመት ህዝቢ፣ ኣብ ሕሉፍ ጥሜት ወይ ሓውሲ ዓጸቦ ደረጃ ከምዝርከብ ሕቡራት ሃገራት ኣቐዲሙ ኣመልኪቱ’ዩ።

እዚ ኣብ ትግራይ ኣንጸላልዩ ዘሎ ዓጸቦ፣ ሰብ ዝሰርሖ ስለዝኾነ፣ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብዝወስዶ ስጉምቲ ክፍወስ ከምዝኽእል ኮሚሽነር ግሪፍትስ ኣገንዚቡ።

ኵናት ትግራይ ልዕሊ 10 ኣዋርሕ ኣቝጺርሉ ኣብ ዘሎ እዋን፣ ኣብ ኩለን እተን ብኵናት ዝተጸልዋን ከም ወራር ዕስለ ኣንበጣ ዝኣመሰለ ባህርያዊ ሓደጋታት ዘጋጠመን ክልላትን ልዕሊ 13 ሚልዮን ህዝቢ እታ ሃገር ጥሜት ከየንጸላልዎ ጸብጻብ ሕቡራት ሃገራት የጠንቅቕ።

እዚ ቁጽሪ’ዚ፣ ኣስታት 13% ካብ ጠቕላላ ብዝሒ ህዝባ ኢትዮጵያ ምስ ምዃኑ፣ እታ ሃገር፣ ብሰብኣዊ ቅልውላው ኣብ ቅድሚት ካብ ዝስርዓ ሃገራት ዓለም ሓንቲ ኮይና ኣላ።

=========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0